እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ምንታይ ብዙሓት ተጋሩ ይእሰሩ ኣለው?
ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ይኾኑ ከም ዘለው ብምግላጽ ትካላት ንግዶም'ውን ይዕሸጎም ከም ዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጽኡ ቐንዮም።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ቢቢሲ ከዘራርቦም ዝቐነየ ገለ ተወለድቲ ትግራይ ድማ፡ በዚ ምኽንያት "ግዳያት መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ንኸውን ኣለና" እዮም ዝብሉ።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ዋላ ሓደ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከም ዘይተፈጸመ ብምግላጽ፡ "ደገፍቲ ጁንታ [ህወሓት] እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ካብቲ ጁንታ ልኡኽ ተቐቢሎም ዝተንቀሳቐሱ'ዮም ስጉምቲ ተወሲዱዎም" ብምባል ብምባል ነቶም ጸብጻባትን ክስታትን ይነጽጎም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ16 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ብምባል፡ ቑጽሩ ብወግዒ ዘየነጸሮ ሞት'ውን ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣሲሩ ኣሎ ብምባል፡ እቲ ማእሰርቲ "ንመንነት መሰረት ዝገበረ" ከም ዝመስል'ውን ገሊጹ።
እዚ ማእሰርቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራቦም ግዳያትን ኣባላት ስድራን ክገልጹ እንከለው፡ ገሊኦም ብዋሕስ ክፍትሑ እንከለው ብዙሓት ግን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቐርቡን ድሃዮም ንምርካብ ከም ዝተጸገሙን ይዛረቡ።
ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዘለዎም ዝእዝዝ ኮይኑ፡ ጥርጡራት ኣብ ግዝኡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ምጥፋእ ድሃይን ከየጋጥም ከም ዝከላኸል ይእመነሉ።
ካብ ማእሰርቲ ዝወጽኡ ግዳያት እንታይ ይብሉ?
ንመዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደብር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጸኒሖም ዝወጽኡ ከምኡ'ውን ትካላት ንግዶምን ባንኪ ሕሳቦምን ዝተዓጽዎምን ተጋሩ፡ ኣካላት ጸጥታን ኣመሓደርትን ብዘይኣግባብ የንገላትዑዎም ከም ዘለው'ዮም ዝዛረቡ።
እዚ ሓድሽ ማእሰርትን ምዕጻው ተጋሩ ዝውንኑዎም ንኣሽቱን ዓበይትን ትካላት ንግድን ድሕሪ እቲ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ምስሓቡን ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምቁጽጻሮምን ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ እቶም ግዳያትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጹ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሕዳር ክልቲኦም ወገናት ናብ ጎንጺ ከምርሑ እንከለው፡ ኣብ ፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ዕጥቆም ክፈትሑን ካብ ስራሕ ቦታ ክተርፉን ከም ዝተገብረን ገሊኦም ድማ ብምኽንያት መንነቶም ከም ዝተኣሰሩን ዝሕብሩ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
ብ10 ሓምለ 2013 ዓ.ም ምስ ሓደ መሓዝኡ ከፍ ኢሉ ሻሂ ይሰትየሉ ካብ ዝነበረ ኣብ ቦሌ ፊት ኤድናሞል ካብ ዝርከብ ካፌ ተወሲዱ ተኣሲሩ ምንባሩ ዝዛረብ መንእሰይ ጎይትኦም መኮንን፡ "ኣይርኣናዮምን፤ 10 ዝኾኑ ኣካላት ጸጥታ መጺኦም ግን ስልክና ኣሕዲጎም ብመኪና ፖሊስ ፌደራል ቦትኡ ናብ ዘይፈልጦ ከባቢ ወሲዶምና" ይብል።
ኣብቲ ግዜ፡ ዝሓዙዎ ቴሌፎን ተፈቲሹ፣ ካበይ ምዃኖምን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡሉ ምኽንያትን ምስ ተሓተቱ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ምጽራይ'ኳ እንተተፈትሐ ዳግም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ [11 ሓምለ 2013 ዓ.ም] ካብ ድቃሱ ተቐስቒሱ ንኣርባዕተ መዓልቲ ተኣሲሩ ከም ዝወጽአ ይዛረብ።
"ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 መጺኦም ኣብ ገዛ ዝጸንሖም ላፕቶፕ፣ ስልክን ወረቓቕትን ኩሉ ሒዞም ንዓይ'ውን ወሲዶምኒ። ኣብ መደብር ፖሊስ ካራማራ ዝጸንሐኒ መርማሪ ተጋሩ ረቢሽኩምና እናበለ ብዙሕ መድሃልቲ የውርደለይ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 20 ኣባላት ስድራ፣ ናይ ቀረባ ቤተሰብን መሓዙተይን ተኣሲሮምኒ'ዮም እትብል ህይወት ዝተባህለት ካልእ ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ድሃዮም ብዘይምፍላጣ ከም ዘሻቐላ ገሊጻ።
"ቅድም ኢሉ ንባዕለይ ተኣሲረ ነይረ'የ፤ ድሕሪኡ ፖሊስ ይከታተሉኒ'ዮም። ካብ ስራሕ ቦታ ይኹን ገዛኻ ምስ ተኣሰርካ፡ ብዙሕ ክስታት'ዩ ዝቐርብ፤ ገለ መሓዙተይ 10 ሽሕ ንሓደ ሰብ ከፊሎም'ኳ እንተወጽኡ፡ ብዙሕ ማህረምቲ ይወርደካ፤ ንጁንታ ትድግፉ ኣለኹም ተባሂሉ'ውን ምግፋዕ ኣሎ" ትብል።
ህይወት፡ ሽሙ ክትረቑሖ ኣብ ዘይፈቐደት ሓደ ሆቴል ተቖጺራ ትሰርሕ ከም ዝነበረት'ያ ትዛረብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሆቴል'ውን ተዓጽዩ ካብ ስራሕ ቦኺራ ብምህላዋ "ባንክና ተዓጽዩ ብዘይገንዘብ ተጸጊምና። ብዙሕ ትካላት ተዓጽዩ፤ ሆቴል ተዓሺጉና ኣሎ። ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣስቤዛ መግቢ ተበላሽዩ'ዩ፤ ኩሉ መዳያዊ መጉዳእቲ'ዩ ዝበጽሐና ዘሎ" ኢላ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሰራዊት ምክልኻል 'ህዝቢ ብድሕሪት ስለ ዝወግኦ' ካብ ትግራይ ክወጽእ ከም ዝተወሰነ ምዝራቡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ንህወሓት ብምድጋፍ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኣዩ ከም ዝገበሮም ስግኣቶም ይገልጹ።
መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ንመንግስቲ ትግራይ ዝምእዝን ዝነበረ ህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ስለ ዘስፈሮ'ውን፡ ካብቲ ክልል ወጻእ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ስግኣት ድሕነት ከም ዝሓደሮም ይገልጹ።
ይኹን'ምበር እዚ ሓድሽ ማእሰርትን ምዕጻው ትካላት ንግድን ዝምልከት ሰብ መዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣይቕበሉዎን።
ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብ21 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ካብ 19 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተፍትሽ ከም ዘካየደ ይሕብር።
በዚ መሰረት 'ኣብታ ከተማ ናዕብን ዕግርግርን ንምልዓል ካብቲ ጁንታ መልእኽትን ገንዘብን ተቐቢሎም ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ 325 ውልቀሰባት ተታሒዞም መርመራ ይግበረሎም ኣሎ' ክብል ኮሚሽነር ጌቱ ኣረጋው ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ግሮሰሪታት፣ እንዳ ተልሂት፣ ሆቴላትን ካልኦት ትካላት ንግድን ዝርከቡዎም 793 ትካላት ኣብ ዘካየዶ ፍተሻ ብረትን ጠያይትን ዝርከቡዎም ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከም ዝተረኸቡን ላፕቶፕ ኮምፒዩተር፣ ፍላሽ፣ ሞባይንን ካልእን'ውን ከም ዝተትሓዙ እቲ ኮሚሽን ብፌስቡክ ገጽ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣሎ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ፖሊስ ሰባት ብምኽንያት መንነቶም ከም ዘይተኣስሩን ትካላቶም ከም ዘይትዓጽዋን እዩ ዝገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ግን፡ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት ተጋሩ ክሸማቐቕን ክንገላታዕን ገለ ኣካላት ጸጥታ ነቲ ኩነታት ተበሊጾም ገንዘብ ንክእክቡ ዝገብሩዎ ዘለው "ጥቕዓት'ዩ" ብምባል ዒላማ ከም ዝኾኑ እዮም ዝኣምኑ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ይኹን መደብር ፖሊስ ሓደ ዓይነት ክሲ ከም ዝቐርበሎም ክገልጹ እንከለው፡ ንኩነታቶም ኣብ ግምት ዘየእተወ ብምዃኑ ግን ግዳያት ፖለቲካዊ ቑርቑስ ይኾኑ ከይህልው ከም ዝሰግኡ ይዛረቡ።
ጎይትኦም፡ "ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከለኹ ገንዘብ ተቐቢሉ ከናዕብ ኢድ ብኢድ ሒዝናዮ ዝብል ክሲ ቐሪቡለይ። ቀዳም መዓልቲ ስለ ዝተኣሰርኩ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ። ኣነ ግን ስርሐይ ካብ ፖለቲካ ወጻእ ምዃኑን ነቲ ጉዳይ ከም ዘይፈጸምኩን፣ ናይ ባንኪ ሕሳበይ'ውን ስለ ዝተዓጽወ ዘመሓላልፎ ገንዘብ ከም ዘየለ ምስ ኣረዳእኹ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ" ይብል።
እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ቤት ፍርዲ ቕቡል ስለ ዘይገበሮ ግን ብሓደ ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ከም ዝወጽአ ጎይትኦም ኣረዲኡ።
'በዓል ቤተይ ትግራዋይ ስለ ዝኾነ'ዩ ተኣሲሩ'
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልል ሶማል፣ ኣምሓራ፣ ከተማ ድሬዳዋን ካልኦት ከባቢታትን ተወለድቲ ትግራይ ዝውንኑዎም ሬስቶራንታት፣ ባራት፣ ካፌታትን ካልኦት ቦታታትን ከም ዝተዓጸው መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማል ብ15 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ንህወሓት ሓገዝ ዝገብሩ ዝነበሩ ዝበሎም 28 ውልቀሰባትን ንብረቶምን ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ምግላጹ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጸን'የን።
ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር መሓመድ ዓሊ 28 ውልቀሰባት፣ 10 ሲኖትራክ መኪናን ካልእ ንብረትን ብጥቆማ ሕብረተሰብ ከም ዝተትሓዙ ክገልጽ እንከሎ "እቶም ውልቀሰባት ኣብቲ ክልል ናዕቢ ንምልዓል ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ'ዮም" ብምባል ንህወሓት ድጋፍ ዝገብሩ ውልቀሰባት ብማሕበራዊ ሚዲያ'ውን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሑ ነይሮም'ዮም ኢሉ።
ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ኣደ ሓሙሽተ ቖልዑት ነባሪት ከተማ ደሴ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ስራሕ ቦታኡ ዝተኣሰረ በዓል ቤታ ክሳብ ሕጂ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐረበ ኣብ መደብር ፖሊስ ምህላው ትዛረብ።
"ኣነ ኣብታ ከተማ ተወሊደ'የ ዓብየ፤ በዓል ቤተይ ከኣ ካብ ትግራይ'ዩ። ኣብትን ኣብትን ዝብል ኮይኑ ዘይኮነ፡ ትግራዋይ ስለ ዝኾነ'ዩ ተኣሲሩ እየ ዝብል፤ ብዙሓት ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ተኣሲሮም'ዮም። እንታይ ገይሮም ከም ዝእሰሩ ዝወሃበና መብርሂ የለን" ኢላ።
በዓል ቤታ ነጋዳይ ከም ዝኾነን ፖሊስ ንትካሎም ፈቲሾም ንዕኡ ሒዞምዎ ክኸዱ እንከለው "ናይ ተጋሩ መንበሪ ገዛ'ውን ተፈልዩ ተፈቲሹ፤ ፍቓድ ከይተዋህበኩም ካብ ከተማ ምውጻእ ኣይትኽእሉን ተባሂሉ መንበሪ ገዛናውትና ብሙሉኡ ተፈቲሹ'ዩ" ትብል።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ክብሮም በርሀ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሻሂ ይሰትየሉ ካብ ዝነበረ ሓደ ካፌ ብዙሓት ፖሊስ ከም ዝወሰዱዎ ሓቢሮምዎ ዝነበሩ መሓዙቱን ኣባላት ስድርኡን ይገልጹ።
በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ትዝታ፡ ክሳብ ሕጂ ድሃዩ ከም ዘይብላ [እዚ ዛንታ ክሳብ ዝተዳለወሉ መዓልቲ] ብረትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ሰነዳትን ኣለው'ዮም ብዝብል መንበሪ ገዝኦም ብተደጋጋሚ ከም ዝተበርበረን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንርእሳ'ውን ኣብ ጸገም ከም እትርከብን ገሊጻ።
"ናበይ ከም ዝወሰዱዎ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ክትሓትት ከለኻ'ውን እቲ ትእዛዝ ካብ ላዕሊ እዩ ካብ ዝብል ወጻእ ካልእ መብርሂ ኣይወሃብን። ንሱ ፖለቲከኛ እዩ፤ ብሓፈሻ ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ምንግልታዕ ማእለያ የብሉን" ክትብል እናበኸየት ቃላ ሂባትና።
ዓለምለኸ ማሕበር ሙሁራት ትግራይ ብ20 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዙሓት ተጋሩ ብጃምላ ተኣሲሮም፣ ተንገላቲዖም፣ ተጨውዮምን ትካላቶም ተዓጽዩን'ዩ ብምባል እቲ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ጠጠው ክብል ተማሕጺኑ'ዩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተጋሩ ዝኾኑ ተወለድቲ እቲ ክልል እቲ ኩነታት ሓያል ስንባደን ስግኣትን ከም ዝፈጠረሎም ክገልጹ እንከለው፡ "ንነዊሕ እዋን ናብ ትግራይ ከይዶም ዘይፈልጡን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘይብሎምን ሰላማውያን ሰባት ከይተረፈ'ዮም ግዳያት ዝኾኑ ዘለው" ብምባል ይቃወሙዎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብተደጋጋሚ መለለዪ መንነት ከም ዝሕተቱን ከም ዝፍተሹን ዝዛረብ ዳዊት ሃይሉ ብወገኑ ሓደ ካብ ኣባል ስድርኡ ከም ዝተኣስሮ ገሊጹ።
ዳዊት፡ ብ29 ሰነ 2021 ፖሊስ ካብ መንበሪ ገዝኡ ንዝወሰዱዎ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ንዝተመረቐ ናባዪ ንዘይብሎም ህጻናትን ጽጉማት ስድራቤታትን ማሕበራዊ ሓገዛት ብምውህሃድ ዝፍለጥ መንእሰይ ጸጋዝኣብ ኪዳኑ ዝተባህለ መንእሰይ ናይ ቀረባ ዘመድ'ዩ።
ንሱ፡ ፖሊስ ምሸት ሰዓት 2፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ካብ ገዛ ከም ዝወሰዱዎን ንሓደ ወርሒ መመላእታ ድሃዩ ከይፈለጡ ከም ዝጸንሑን ገሊጹ።
"ምስ ወግሐ ኣብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ፖሊስ ፌደራል ኣሎ ስለ ዝሰማዕና ከይድና ረኺብናዮ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ምስ ከድና ግን ተፈቲሑ'ኳ እንተበሉና ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ግን ድሃዩ ከነተኣላልሽ ጸኒሕና። ብኣካል ናይ ምቕራብ ክሲ ምስ ከሰስና ግና ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ፈንታሌ ወረዳ ከም ዘሎ ፖሊስ ኣፍሊጡና" ይብል።
ኣብዚ ግዜ፡ ፖሊስ መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕላው፣ ምስ ኣካላት ግብረ ራዕዲ ርክብ ምግባርን ብማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ሓሶት ዘረባ ብምውዛዕን ብዝብሉ ክስታት ከም ዝጠርጠሮ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣባላት ስድርኡ ግን ፈጺሙ ምስኡ ርክብ ዘይብሎም ክስታት'ዮም ቐሪቦምሉ ብምባል ይነጽጉዎም።
ይኹን'ምበር፡ እዚ ንመብዛሕትኦም ፖሊስ ብጃምላ ዝኣስሮም ዘሎ ውልቀሰባት ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ስለ ዝኾነ፡ "መንነት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ግልጺ'ዩ፤ ሸዋ ዳቦ ኣብ ዝብሃል ከባቢ መለለዪ መንነት እናርኣዩ ጥራይ ሰባት ኣኪቦም ክወስዱ፣ ናይ ተጋሩ እናተፈለየ ትካላት ንግዲ ክዕጾን ተዓዚበ'የ" ዝብል ዳዊት፡ እቲ ኩነታት ኣሻቓሊ'ዩ ክብል ይገልጾ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ድሕሪ 22 ሰነ ብዘይሕጋዊ ኩነታት ማእሰርቲ ወሲኹ ምህላው ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓን ዝርከብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ካልእ ቦታታት ይውሰዱ ምህላዎም ጥቆማ ከም ዝበጽሖ ይሕብር።
ኮሚሽነር ዳኒኤል በቀለ፡ መንግስቲ ነቲ ነዚ ሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ልዑል ሓለዋ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ክብል እንከሎ፤ እቲ ኮምሽን ንኩነታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት'ውን ዝገብሮ ክትትል ክቕጽሎ እዩ ኢሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ንተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣሲሩ ኣሎ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝተኣስሩ ንኣምነስቲ ቃሎም ዝሃቡ ካብ ማእሰርቲ ዝወጽኡ ተወለድቲ ትግራይ፡ እቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ብተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ መሊኡ ምህላው ነቲ ትካል ነጊሮምዎ ክብል ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙሽን ሓቢሩ።
ጌና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝገለጸ ኣምነስቲ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደው ከብልን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኣሰሩ ብቕልጡፍ ክፈትሕን ሓቲቱ።
ኣፈኛ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፋሲካ ፋንታ፡ ዝተኣሰሩ ኮነ ዝተዓጸው ናይ ንግዲ ትካላት ምህላዎም "ዝፈልጦ የለን" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን አብዲ ብወገኑ "ሰባት ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ይኽእሉ'ዮም፤ ማንነት መሰረት ንዝገበረ ማእሰርቲ ዝተቓልዐ ግን የለን" ምባሉ ይዝከር።