እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ በይኖም ብዝሞቱን ብሕጽረት ኦክስጅንን ትሳቐ ዘላ ሓዳሽ ሕምብርቲ ለበዳ
ኣብዚ ሓያል ቅልውላው ዘለወሉ ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ካብ በብገዝኡ ሬሳ ምውታት ይኣርዩ።
በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሕፅረት ኦክስጅንን ኣብ ፀገም ግዘ ነንባዕሉ ዝተሓጋገዝ ማሕበረሰብ ኣሎ።
እዚኦም ካብታ ኣብዚ እዋን ብለበዳ ኮቪድ-19 ትሕቆን ዘላ ኢንዶኖዥያ፡ ዝወፅኡ ዘለዉ ተርእዮታት እዮም።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 2.7 ሚልየን መልከፍቲ ከጋጥም እንከሎ ኣብቲ ዝሓለፈ 15 ሰነ ድማ ኣብ መዓልቲ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 56 ሽሕን 700 ሓሊፉ’ዩ።
ኣብ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ፡ ብተኸታታሊ ልዕሊ 50 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ፤ እዚ ድማ ኤሽያ ሓዳሽ ሕምብርቲ ኮቪድ-19 ክትከውን ገይሩዋ ኣሎ።
ዝርግሐ እቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ዝኾነ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ዴልታ ቫይረስ ይቕፅል ብምህላዉ ድማ፡ ኢንዶኖዥያ ዝሓሰመ ቅልውላው ከጋጥማ’ዩ።
ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ ኣብ ግምባር ኮቪድ-19
ዊራዋን፡ ኣብ ከተማ ጃካርታ ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ እዩ፤ እንተኾነ ኣብ ክንዲ ሓዊ ምጥፋእ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣተሓሕዛ ሬሳ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት እዩ ዝነጥፍ ዘሎ።
ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንሱን ካልኦት ሸውዓተ መሳርሕቱን፡ መሳርሒ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ተኸዲኖም ካብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ሬሳ ምውታት ክእክቡን እቶም ሬሳታት ናብ ቀብሪ ቅድሚ ምስናዮም፡ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብርሉን ሓላፍነት ተሰኪሞም።
መብዛሕትኦም ግዳያት ሞት ንብሕቶም ከም ዝሞቱ ዝገልፅ ዊራዋን፡ ምኽንያቱ ብቐጥታ ሕክምና ዘይምርካቦም ወይ ድማ ካብ ሆስፒታላት ክምለሱ ስለ ዝተገበሩን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።
“ዝበዝሕ ግዘ ጎረባብቶም፡ ‘እዚ ሰብ ዓርሰ ውሸባ ካብ ዝገብር ንነጀው ኣይተርኣየን’ ኢሎም ይድውሉልና። ካብኡ ሞይቶም ንረኽቦም። እዚ በብመዓልቱ ንርእዮ እዩ” ይብል።
ዊራዋን፡ ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ቁፅሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ምዕራጉ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ስነ ስርዓት ቀብሪ የወሃህድ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ግን ልዕሊ ዓቕሙ ኣብ መዓልቲ 24 ቀብርታት ከዳሉ ስልክታት ይድወሎ።
ቅልውላው ኮቪድ-19 ኢንዶኔዥያ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጉንበት ድሕሪ በዓላት ዒድ 1.5 ሚልየን ሰባት ንከባብያዊ እገዳታት መገሻ ንምትግባር ምስ ኣበዩ’ዩ ናብዚ ዘስግእ ደረጃ በፂሑ።
ንበፃሕቲ ዓዲ ዝተቐመጡ ረቛሕታት ምውሻብ’ውን ዕሽሽ ተባሂሎም ኔሮም።
ኢንዶኖዥያ ሓሙሽተ መዓልታት ዝነበረ ግዘ ውሸባ ናብ ሸሞንተ መዓልታት ክብ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ናብታ ሃገር ዝግበሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ኣጊዳ ኣይትፈልጥን።
ሰብ ሞያ፡ ዶባት እታ ሃገር ክፉታት ክሳብ ዝኾኑ፡ ነቲ ቫይረስ ምቁፅፃር ከም ዘይከኣል ይገልፁ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ግና ዝተመረፁ ወፃእተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንዶኖዥያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 70 ሽሕ በፂሑ ኣሎ፤ በብመዓልቱ ድማ ሓደ ሽሕ ሰባት ይሞቱ።
ከም ፀብፃብ ላፖር ዝተባህለ ዘይሻራዊ ጉጅለ መረዳእታ ኮቪድ-19፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብውሑዱ 450 ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ሞይቶም፤ እዞም ሰባት፡ ሆስፒታላት ብምምለአን ንርእሶም ካብ ምውሻብ ሓሊፎም ኣማራፂ ኣይነበሮምን።
ሕፅረት ኦክስጅን
ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ኢንዶኖዥያዊት ደሴት ጃቫ፡ ሕምብርቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ለበዳ እያ።
ኣብ መፈለምታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ዮግየካርታ ዝርከብ ሆስፒታል ዝነበሮ ኦክስጅን ምውድኡ ስዒቡ 63 ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣብቲ ማእኸል ጥዕና ህይወቶም ሓሊፉ።
እዚ ሞት ንመላእ እታ ሃገር ኣብ ስንባደ ዘጥሓለ ኮይኑ፤ እቲ ሆስፒታል ግና ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ንኣሃዝ እቶም ግዳያት ኣጋኒነሞ ኢሎም።
ካብ ሻቡ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ ኦክስጅን ሓደሽቲ ሕሙማት ንከይቕበላ ተገዲደን።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ማሕበር ሆስፒታል ኢንዶኔዥያ ሊያ ጋርደንያ ፓርታኩሱማ፡ “ኣብ ልሙድ ግዘ ሓደ ሆስፒታል ንሰለስተ መዓልቲ ወይ ንሰሙን ሰለስተ ቶን ኦክስጅ እዩ ዝጥቀም ኔሩ። ሕዚ ግና ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ዝውዳእ” ትብል።
ሰብ ሞያ ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና ኢንዶኖዥያ፡ እዚ ሕፅረት ኦክስጅን ብሰንኪ ድኽመት መንግስቲ ማለት’ውን ቁፅሪ መልከፍቲ ክውስኽ እዩ ኢሉ ትፅቢት ብዘይምግባሩ፡ ከም ዘጋጠመ እዮም ዝገልፁ።
ብሰንኪ በዓላት ልዑል መልከፍቲ ከጋጥም ከም ዝኸእል'ውን ከጠንቅቑ ፀኒሖም’ዮም።
ሰባት ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ንመሓዝቶምን ስድርኦምን ሓገዝ መዕቖሪ ኦክስጅን፣ ኣፋውስን ናይ ሆስፒታል ዓራትን ክረኽቡ ብዓቕለ-ፅበት ይምሕፀኑ ኣለዉ።
ኣብ ውሑዳት መኽዘን ኦክስጅን ብዙሓት ሰባት መስርዕ ይሕዙ፤ መብዛሕትአን ግን ብሰንኪ ሕፅረት ተዓፅየን እየን።
ወናኒ እታ ኣብ ጃካርታ ትርከብ ንእሸተይ ማእኸል መምልኢ ኦክስጅን ኣሪፍ ሶፍያን፡ “ብተደጋጋሚ ንሓደ መዓልቲ ክንሸይጥ ኣይንኽእልን ኔርና” ይብል።
ይኹን’ምበር ሻቕሎታት ምስ ወሰኸ ስርቂ በዚሖም።
ሻኒ ቡዲ፡ ንሓማቱ ኦክስጅን ንምዕዳግ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ኢድ ሰርቕቲ ወዲቑ ኔሩ።
ንሱ ሓደ ኦክስጅን ኣቕራቢ ይረክብ እሞ፡ ኣቐዲሙ ገንዘብ ክኸፍል ይነግሮ።
ብመሰረት እቲ ዝተሓተቶ ድማ፡ ንሓሙሽተ ገንኢ ኦክስጅን 172 ዳላር ይልእኽ፤ ካብቲ ኣቕረባይ ኦክስጅን እየ ዝበለ ጒሒላ ግና፡ ካብ ምጉሳይ ሓሊፉ ዝረኸቦ ምላሽ የለን።
እቲ ፅቡቕ ነገር፡ ሓማቱ ብህይወት ተሪፋ ኣብ ምሕዋይ ትርከብ።
ግደ ሕብረተሰብ
ወዲ 24 ዓመት ዶክተር ሪዮ ፑንግኪ ኢርዋን፡ ኣብ ዮግያካርታ ንሕሙማት ንምምርማርን ንምሕብሓብን ቪድዮ ብምድዋል ወለንታዊ ሕክምና ንምሃብ ወሲኑ።
ብዙሓት ሰባት ከይተመርመሩ ኣብ ውሸባ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ብዋስኣፕ ኣገልገሎት ምሃብ ጀሚሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 7 ሓምለ ናፃ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ምስ ኣፍለጠ፡ 800 ‘ቴሌ ሜዲካል’(ኣገልግሎት ሕክምና ብስልኪ) ናይ ዝጠልቡ ሰባት ሕቶታት ከም ዝተቐበለ ይገልፅ።
“ንርእሶም መድሓኒት ብምእዛዝ ንዝወስዱ ብዙሓት ሕሙማት ኣዛሪበ እየ። ስለዚ እዚ ክንፈትሕ ኢና ፈቲንና” ይብል።
ዋላ’ኳ ኣብቲ ብስልኪ ዝህቦ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ንተሓከምቱ መድሓኒት እንተዘይኣዘዘ፡ ተሓከምቱ ኣብ ግዘ ውሸባ እንታይ ክወስዱን እንታይ ከወግዱን ከም ዘለዎም ማዕዳ ይህብ።
ኣብ ምዕራባዊ ጃቫ ዝነብር ሓረስታይ ጆኪ ሃርያዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ውሸባ ንዝርከቡ ሰባት ብመኪንኡ እናዘረ ካብ ዓውዱ ዝሓፈሶ ሩዝ የብፅሓሎም።
ብተወሳኺ፡ ኦክስጅንን ቫይታሚናትን ብምምፃእ ይሕግዞም።
“ጎረባብቶም በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ስለ ዝፈርሑ ስለኦም ኣይግደሱን። ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ካልኦትን ብምግባር ክሳብ ዝተጠንቀቕና፡ ክንፈርሕ ኣይግበአናን እየ ዝብል” ይብል ሓረስታይ ጆኪ።