እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ለንደን ብምኽንያት ብርቱዕ ማይ ኣገልግሎት ሕክምና ተቛሪጹ
ኣብ ለንደን ክልተ ሆስፒታልት ብሰንበት ብውሑጅ ብምዕልላቐን ሕሙማት ካብቲ ሆስፒታል ክወጽኡ ተነጊርዎም።
እተን ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝርከባ ዊስፐር ክሮስን ኒውሃምን ዝተባህላ ክልተ ሆስፒታላት ብማይ ብምዕልቅላቐን ተሓከምተን ናብ ካልእ ሆስፒታላት ከግዕዛ ተገዲደን ኣለዋ።
ኣብ ለንደን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብርቱዕ ወሕጅ ብምኽታል ኣባይቲ፤ ጽርግያታትን መደበራት ባቡርን ብማይ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ።
ናይ ከተማ ለንደን ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ልዕሊ 300 ምስ ዕልቅልቕ ዝተሓሓዝ ናይ ተሌፎን ጻውዒታት ከምዝበጽሖ ገሊጹ።
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት መካይን ብዕልቅልቕ ተዓጊተን ኣለዋ፤ ሰብ መዚ ብወገኖም ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰብ ካብ መገሻታት ክቁጠቡ ጸዊዖም ኣለዉ።
መብዛሕትኡ ጽርጋያትት እታ ከተማ ብሰንኪ ዕልቅልቕ ተዓጽዩ ኣሎ።
ሆስፒታል ኒውሃም ብትዊተር ንዓማዊሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ዝኾነ ህጹጽ ረድኤት እንተደሊኹም ኣለና። ክሳብ ዘሎ ጸገማት ንፈትሖ ግን ናብ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሆስፒታላት ክትከዱ ንምዕድ” ኢሉ።
ሆስፒታል ዊፕስ ክሮስ ብወገኑ ንዓማዊሉ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ሎንደን ዝርከብ ሰይንት ጀምስ ፓርክ ሰንበት 41.6 ሚሊ ሜትር ዝዓቐኑ ማይ ከም ዘመዝገበ ተገሊጹ።
ገለ ነበርቲ ከተማ ምብራቕ ለንደን፡ ውሑጅ ናብ ገዝኦም ከይኣትዎም ነቲ ማይ ብሻንኪሊ፤ ብሞኮስተርን ካብ ጣውላ ብዝተሰረሐ መዕገቲ ማይን ገይሮም ማይ ናብ ገዝኦም ከይኣትዎም ክከላኸልዎ ከም ዝተራኣዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።