ቅልውላው ትግራይ፡ ሓያል ዝናብ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት ትግራይ ዝተዓቖብሉ መዓስከር ሱዳን ኣዕንዩ

ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከብ መዕቀሊ ስደተኛታት ብምኽንያት ሓያል ዝናብ ብውሑጅ ከም ዝተዋሕጠ ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊጾም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብቲ ልዕሊ 20 ሽሕ ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝነብርሉ መዓስከር ቱናይድባህ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ እቲ ዝተዓቖብሉ ቴንዳ ከም ዝፈረሰን ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡን ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ስደተኛታት እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ኣብቲ 5494 ቴንዳ ዘለዎ መዓስከር ብ3 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብዝነበረ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ብርክት ዝበለ መጽለሊ ከም ዝዓነወ ተዛሪቡ።

እቲ ሓደጋ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ከጋጥም ዝጸንሐ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ዓቕሚ ዝውሕዶም ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡ ይሕብር።

"ብጉንበት ሰለስተ ን30 ደቓይቕ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ንሰለስተ ብሎካት ደምሲሱዎም ከይዱ። ቐጺሉ ካብ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 6፡30 ናይ ለይቲ [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝነበረ ንፋስ'ውን ንኩሉ ቴንዳ ቀዲዱዎ። በዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ጸኒሕና እናሃለና መሊሱ ብሰለስተ ሓምለ ከቢድ ንፋስ መጺኡ ዝናብ'ውን ሃሪሙ ንኹሉ" ብምባል ኣብሪሁ።

ቅድም ኢሉ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ምብራቓቂ ሱዳን ንሰሙናት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስ ኣብ መዓስከራት ኡም ራኩባን ቱናይድባህን ናይ ዝነብሩ ስደተኛታት ናውቶምን መዕቀሊኦም ከም ዘዕነወ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ካብ 10 ሽሕ ስድራቤታት ናይቶም ኣርባዕተ ሽሕ መንበሪ ቴንዳ ብምኽንያት ብርቱዕ ንፋስ፣ ዝናብን በረድ ዝተሓወሶ መሸምቦባን ከም ዝዓነወ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ዩ።

መዓስከር ቱናይድባህ ካብ ገዳሪፍ ብመኪና ክልተ ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ጎል ጎል ዝርከብ ብምዃኑ ንንፋስን ዝናብን ዝተቓልዐ ከም ዝኾነ ኣብቲ መዓስከር ዝተሓባበር ስደተኛ ዶክተር ኤፍሬም ወንድማገኝ ተዛሪቡ።

"እቲ ከባቢ ፈጺሙ ማይ ክጻወር ኣይክእልን፤ ዩኤንኤችሲኣር መገዲታት ብምጽራግ፣ ሓመድ ብምድፋን፣ ዝወደቓ ገዛውቲ ብምጽጋን ጠጠው ከብል ይፍትን ኣሎ፤ ግን እዚ ኹሉ ነቲ ኩነታት ክገትኦ ኣይክኣለን፤ ውሑጅ'ዩ ዝመልእ። ዳርጋ ኩሉ ሰብ ኣብ ኣብ መሬት ኣንጺፉ ስለ ዝድቅስ ከኣ ዘለዎ ኩሉ ነገር እዩ ብማይን ጭቃን ማይን'ዩ ዝጥልቂ። ሕጂ ኣረጋውያን ዘይነቐጸ ኮበርታ ኣንጺፎም ኣብታ ጭቃ'ዮም ዘለው" ኢሉ።

እዚ ቱናይድባህ ዝተባህለ መዓስከር ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ብዘጋጥም ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ጉድኣት ክበጽሖ ዝጸንሐ ምዃኑ ክኢላ ኮምዩኒኬሽን ወኪል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ሱዳን ኣሳዱላህ ናሳሩላህ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ሓደጋ የለን፤ ግን ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ኩነታት'ዮም ዝርከቡ። ዩኤንኤችሲኣር ኮነ መሓዙት ትካላት ኮበርታ፣ መደቀሲ ፍራሽን መግብን ሓዊሱ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ክገብሩሎም ጸኒሖም'ዮም። ብተወሳኺ ነቲ ጉድኣት ዝበጽሖ መጽለሊ ዝትክኡን ንፋስን ዝናብን ክጻወሩ ዝኽእሉ ናይ ህጹጽ እዋን ቴንዳታት፣ ገመድ፣ ሸምብቆን ካልኦትን ኣቕሪቡ'ዩ" ብምባል እቲ ጸገም ምህላው ኣረጋጊጹ።

'ሰማይ ብዝርኣና ትንፋስና ትወጽእ'

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ውሑጅን ምምእላእ ሩባታትን ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን ስደተኛታትን ተጠቒዖም ከም ዝነበሩ ጸብጸባት የዘኻኽሩ።

ኣብ ከባቢ እዚ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝርከቡ መዓስከር ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣጋጢሙ ዝነበረ ህቦብላ ንፋስ ዘዕነዎም ቴንዳታት ክህልው እንከለው፡ ብ7 ሰነ 2021 ኣብ ዘጋጠመ ካልእ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ'ውን ገለ ቴንዳታት እቶም ስደተኛታት ከም ዝዓነው ጸብጻባት ላዕለዋይ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

እዚ ከቢድ ዝናብ ዝተሓወሶ ንፋስ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝቕጽል ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መዓስከር ቱናይድባህ ዝርከቡ ስደተኛታት በቲ ዝፍጠር ዕልቕልቕ ኮነ ማይ ወለድን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ከይኽሰቱ ስግኣት ከም ዘለዎምን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ዘለውሉ ከባቢ ብጭቃን ማይን ስለ ዝተውሓጠ ማይ ዘቕርባሎም መካይን ክኣትዋ ብዘይምኽኣለን ሕጽረት ዝስተ ማይ ከየጋጥሞም ከም ዝሰግኡ ኣቶ ኣስማረ ይገልጽ።

"ዝስተ ማይ ንርእሱ ክኣቱ ስለዘ ይክኣሉ ብፍንጃል ከም ጸበል እያ ትስተ ዘላ፤ እቲ ዝተኹዓተ መትረባት'ውን ስለ ዘይተገጣጠመ እቲ ዝዓቁር ማይ ናብ ድላዩ ክኸይድ ኣይክአለን። ካብዚ ንላዕሊ ግን ብምኽንያት ዕቋር ማይን ዝኾነ ለበዳ ከይለዓል ንሰግእ፤ ኩላትና ሰማይ ብዝርኣና ሰብ ትንፋስና'ያ እትወጽእ" ብምባል ስክፍትኡ ገሊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ መብዛሕትኡ ሰብ ቀሊል ሕማም ሰዓት ገዲፍካ ውጽኣትን ብልማድ ቁርጥማት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕማምን ይርኣይ ምህላው ዝገልጽ ዶክተር ኤፍሬም ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝፍጠር ዕቋር ማይን ምውሓድ ጽርየትን ህጻናት ንሕማም ዓይኒ ይቃልዑ ኣለው ኢሉ።

"እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተመጣጣኒ መግቢ ስለ ዘየለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለው። ብመግቢ ሕጽረት ትሕቲ ዓቐን ኮይኖም ዝኣትው ህጻናት ብዙሓት ኮይኖም እናሃለው በቲ ዘሎ ኩነታት ዝፍጠር ርስሓትን ሃመማ ክበዝሕ ከሎ ብብዝሒ ሕማም ዓይኒ ይርኣዮም ኣሎ" ብምባል እቲ መዓስከር ትኹረት ክግበረሉ ሓቲቱ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዩኤንኤችሲኣር ምስ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ካልኦት መሻርኽቲ ትካላትን ብምኻን ሓደጋ ውሑጅ ኣብቶም መዓስከራት ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣታት ኣብ ምከልኻል ክሰርሕ ምጽንሑን ቀጻሊ ክትትል ይገብር ከም ዘሎን ክኢላ ኮምዩኒኬሽን ወኪል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ሱዳን ኣሳዱላህ ናሳሩላህ ሓቢሩ።

ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝስርሑ ስራሕቲ ብምኽንያት እቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ይተኣጓጎል'ኳ እንተሃለወ፡ "ሕጂ'ውን መጽለሊ ኣብ ምቕራብ፣ እዚ ናይ ዝናብ ወቕቲ ክሳብ ዝሓልፍ ንኣገልግሎት ዝምችእ መገዲታት ኣብ ምጽራግ ከምኡ'ውን ሓደጋ ውሑጅ ንምንካይ ዘኽእል መትረባት ብምህናጽ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝሳገር ዝግመት ናይ ዝናብ ወቕቲ ዝቕጽል ክሳዕ ዝኾነ ድማ፡ ዩኤንኤችሲኣር ነቶም ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝ ትኹረት ከም ዝገብር እቲ በዓል ሞያ ሓቢሩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ይርከቡ።

91 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ'ውን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮን ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።