እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ናብቲ ክልል ንረድኤት ዝግበር በረራታት ኣየር ዝምልከት መምርሒ ወግዓዊ ኮይኑ
ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ በረራ ዝገብራ ነፈርቲ ፈለማ ኣብ ኣዲስ ኣየር ክዓርፋ ከምዝግበራን ከምዝፍተሻን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
መጻረይ ሓበሬታ እዋን ህጹጽ ጊዜ፡ ነቶም ዝግበሩ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ነፈርቲ ዝምልከት መምርሒ ትማሊ [02 ሓምለ 2013 ዓ.ም] ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ካብ 22 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት በረራ ካብን ናብን በረራታት ከይህሉ’ኳ እንተተኣገደ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ ንዘድልዩ ኣካላት ግን ፍሉይ ፍቓድ በረራ ከምዝሃበ መንግስቲ ይገልጽ።
በዓልመዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ከምዝብሎ ግን፡ እቲ ፍቓድ እንተተወሃበ’ውን ክሳብ ሎሚ ዝተጀመረ በረራ የለን።
ኣብዚ እዋን ከኣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተጓዓዝቲ ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ክልተ በረራታት ክፍቀደሉ ሕቶ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ’ሎ።
ከምዚኦም ንዝበሉ ሕቶታት ዝሓሸ መገዲ ንምምችቻው እቶም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ፍቓድ ንክረኽቡ ክኽተልዎም ዘለዎም መምርሕታትን መረዳእታታትን ዝሓዘ ዝርዝር ከምዘውጽአ መንግስቲ ይሕብር።
በዚ መሰረት ኣብ ደገ ካብ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ ኮኑ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሰን ናብ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዝጓዓዛ ነፈርቲ ናብ ትግራይ ቅድሚ ምእታወን ፈለማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዓርፋ ይግደዳ።
ካብ ዝተኸልከለ ክልል ኣየር ዝመጽኣ ነፈርቲ ናብ ደገ ቅድሚ ምውጽአን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምብጋሰን ብመዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክሓልፋ ከምዘለወን ኣብቲ መምርሒ ሰፊሩ ይርከብ።
በረራታት ቅድሚ ምክያዶም ከኣ ከም ቁጽሪ በረራ፣ ዓይነት ነፋሪት፣ ዕላማ በረራ፣ ዝርዝር ተጓዓዝትን ዓይነት ጽዕነትን ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታን መረጋገጽን ክሕዙ ከምዝግባእ’ዩ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝብገሳ ወይ ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝኣትዋ ነፈርቲ ኣብ ዝሓዝኦ ጽዕነትን መጽዓኒአንን፣ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ፈተሻን ምርመራን ከምዝግበር ኣብቲ መምርሒ ተነጺሩ።
ዓበይቲ ካርጎታት [ጽዕነት ነፈርቲ] ብዝምልከት ከኣ ተኸፊቱ ክረኣይ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ግብራዊ ከምዝኸውን ከምኡ’ውን ስሩዕን ደረጅኡ ዝሓለወን ፈተሻ ከምዝካየድ እቲ መምርሒ የመልክት።
ኩለን ናይ ተጓዓዝቲ ኮና ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ድማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝሳተፉ ሰባት ጥራይ ወይ ኣቑሑት ጥራሕ ክጽዕና መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ’ሎ።
መንግስቲ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ “ገለ ጸብጻባት ግን መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝካየዱ በረራታት የተኣጓጉል ከምዘሎ ብምምሳል ንማሕበረሰብ ዓለም ግጉይ ሓበሬታ ይህቡ ኣለዉ” ክብል ንገለ ትካላት ከሲሱ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት - ኦቻ - [ዩ ኤን ኦቻ] ካብ 1986 ዓ.ም ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ንዝሃነጾ ዕውት ርክብ ዘይምጥኑ ተግባራት ይፍጽም ከምዘሎ ዝሕብር ደብዳበ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከምዝጸሓፈ ኣፍሊጡ።
ኦቻ ንትግራይ ብዝምልከት “ዝምቡዕ ሓበሬታን መግለጽታትን የቕርብ ከምዘሎ” ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ከኣ ዝረብሕን ሃናጽን ከምዘይኮነ ሓቢሩ።