እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ክግበር ሓቲቱ
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ክባ'ዩ'፤ ከምኡ'ውን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ትግራይ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ዝብል ሕብረት ኤውሮጳ ንዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝነጸገቶ ይዝከር።
ሓላፊ ጉዳይ ድሕነትን ርክባት ወጻእን ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብምኽንያት ቅልውላው ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ክገብራ ሓቲቱ።
"ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ኢድና ዘለው ኣማራጺታት ኣብ ግምት ምእታው ይደሊ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣነ ክሳበ ዝተረድኣኒ ድማ ኣማራጺታት ስጉምቲ እገዳ ኣብ ጠረጴዛ ክቕመጡ ኣለዎም" ኢሉ።
ጆሴፍ ቦሬል ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ነዚ ርኢይቶ ሂቡ።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ብተደጋጋሚ ከም ዝተኣጓጎለን ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ክልል ንዓጸቦ ከም ዝተቓልዑን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ሓላፊ ጉዳይ ድሕነትን ርክባት ወጻእን ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵኣ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ መሬት ተግባራዊ ክገብሮ ድልየት ኣለዎ ኢሉ።
ይኹን'ምበር ትግራይ ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብርክብ ከም ዝተቖርጸት ተዛሪቡ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል መቐለ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ።
ማእኸላይ መንግስቲ ድማ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ሓዊሱ እቲ ክልል ክረኽቦ ዝግባእ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዓጽዩ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ።
ቦሬል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "ምቁራጽ ተጻብኦ ማለት መብራህቲ እቲ ክልል ምቑራጽን ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጺ ምዕናውን ማለት ኣይኮነን" ኢሉ ነይሩ።
እሙን ምቁራጽ ተጻብኦ ማለት ህጹጽ ረድኤት ዝደልዩ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓገዝ ክበጽሖም ምስላጥ'ዩ ብምባል፡ ኩሎም ሓይልታት ህይወት ህዝቢ እቲ ክልል ምድሓን ቀዳምነት ክህቡዎ ዝግባእ ተግባር ምዃኑ ተማሕጺኑ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ክባ'ዩ' ከምኡ'ውን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ትግራይ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ዝብል ሕብረት ኤውሮጳ ሰሙንንዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝነጸገቶ ይዝከር።
ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው እቲ ሕብረት ጃኔዝ ሌናርቺክ ንባይቶ እቲ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ "ተኹሲ ደው ምባል ዘይኮነ ክባ'ዩ፤ ጥምየት'ውን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ዘረባ እቲ ኮሚሽነር ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።
እቲ ኮሚሽነር "መንግስቲ ኢትዮጵያ ትሕተ ቕርጺ ብምፍራስ፣ መውጽእን መእተውን ብምዕጻው ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ምባሉ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበን ማይ ዘይዓቁርን ክሲ'ዩ" ብምባል ከም ዝነጸጎ ይዝከር።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል ክልተ ሚሊየን ሰባት ከም ዝኾነን 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ከም ዘቃልዐን ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብዚ ሰሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ዝልኣኸን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽዓና መካይን ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንፈለማ እዋን ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብ50 ናይ ጽዕነት መካይን ዝተጉዓዓዘ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ መቐለ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ 900 ሜትሪክ ቶን መግብን ካልኦት መሰረታዊ ናውታትን ዝሓዘ'ኳ እንተኾነ ብመንጽር ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም እዚ ቑጽሪ ብዕጽፊ ክዓቢ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ክልል፡ ሰሙናዊ 10 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግብን 150 ሽሕ ሊትሮ ነዳድን ክበጽሕ ኣለዎ ኢሉ።
እቶም ናብ ትግራይ ዝወስዱ ክልተ ኣውራ መገዲታት ዝተዓጸው ኮይኖም፡ ክልተ ድልድላት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ከም ዝኾኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህትን ቴለኮምዩኒኬሽንን ከምኡ'ውን ባንኪ ተቛሪጹ ይርከብ።