እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርጀንቲና ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ንዝኾኑ ሰባት ሓድሽ መለለዪ መንነት ኣተኣታትያ
ኣርጀንቲና ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ኢና ንዝብሉ ሰባት ዝግልገልሉ ሓድሽ መለለዪ መንነት ወግዓዊ ገይራ።
ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ ኣርጀንቲናውያን ንባዕሎም ጾታ የብለይን ኢሎም ክጽውዑ መሰል ኣለዎም።
ይኹን'ምበር እዚ ኣብ ፓስፖርትን ሃገራዊ መለለዪ መንነት [DNI] ክንጸባረቐሉ ዝኽእል መስርሕ ብዘይምንባሩ፡ ክሳብ ሕጂ "ጓል ኣንስተይቲ"፣ "ወዲ ተባዕታይ" ዝብል ምርጫ ጥራሕ ክቐርበሎም ጸኒሑ።
ሕጂ እዚ ንምልዋጥ ዝኾነ ሓድሽ መለለዪ መንነት ክረክብ ዘመልክት ውልቀሰብ፤ እሞ ድማ ናይ ጾታ ምርጫ ዘይብሉ እንተኾይኑ ነቲ ጾትኡ "x" ዝብል ምልክት ከቐምጠሉ ዘኽእል መስርሕ ተመቻቺኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣልቤትሮ ፈርናንዴዝ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ኣርጀንቲና ድማ ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣቐዲማ ነዚ ሕጊ ዘተኣታተወት ሃገር ይገብራ።
በዚ መሰረት ኣርጀንቲና ነተን ኣቐድም ኣቢለን ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ኢና ንዝብሉ ሰባት ዘገልግል ስርዓት ዘተኣታተዋ ሃገራት ካናዳ፣ ህንድን ኒውዝላንድን ተጸምቢራ ኣላ።
ኣብቲ ኣብ ቦነስኣይረስ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ጾታን መንነትን ተረኺቦም'ዮም።
ፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ ድማ "ካብ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት መንነት ስለ ዘለው ክኽበሩ ኣለዎም። ኩላትና ክንኮኖ ዝግባእ ካብ ምዃን ወጻኢ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሰባት ጾታ ክንጭነቕ የብልናን" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ዝምረጽ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ሰጓሚ ማሕበራዊ ዕረያታት ክመጽኡ ክጉስጉስ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክገብር እንከሎ፡ ከም ውልቀሰብ ሰብ ከኣ ኣብታ ሃገር ፍልጥቲ ንግስቲ ሓሽሽን ተመሃሪት ቅዲ ክዳንን ንዝኾነት ጓሉ ኢስታኒስሎ ኣብ ኣደባባይ ናእድኡ ገሊጹላ'ዩ።
ኣብዚ ዓመት ከኣ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣርጀንቲና ሕክምናዊ ቀረባት ንምሕጋዝ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሃፋትም ሓድሽ ስርዓት ግብሪ ተግባራዊ ክኸውን ገይራ'ያ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዝተኣወጀ መምርሒ ግብሪ ልዕሊ 2.3 ሚሊየን ዶላር ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገር ካብ ዘሎ ሃብቶም ሰለስተ ሚኢታዊት፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ካብ ዘንቀሳቕሱዎ ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ግብሪ ንመንግስቲ ክኸፍሉ ዘገድድ'ዩ።
እዚ ኣብ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ተግባራዊ ክኸውንን መንግስቲ ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ክረክብ ክሕግዞን'ዩ ተባሂሉ ነይሩ።