ኬንያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክኣትውዎ ዘይፍቐድ ክለብ ለይታዊ ትልሂት

ብድሕሪ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዘሎ ናይ ደቀንስትዮ ጥራይ ለይታዊ ትልሂት ዘሎ ጉጅለ፡ ኩለን ናይ ሳዕስዒት ክለባት ንደቀንስትዮ ውሕስነት ክፈጥራ ይጽውዕ።

ኣብ ሓደ ምዉቕ ምሸት ኣብ ወሰናስን ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ንሳዕስዒት ክኸውን ተኻርዩ።

ሙዚቃ ብልዑል ድምጺ ተወሊዑ ይስማዕ፡ ደቀንስትዮ ድማ ይስዕስዓ።

"ኣወዳት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኣዚኻ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ምስ መሓዙትካ ወይ ብመሰነይታ ወዲ ተባዕታይ ኢኻ ትንቀሳቐስ" ትብል ናብቲ ክለብ ምስ መሓዝኣ ዝመጸት ጓል 26 ጀይን።

"ኣብ ደቀንስትዮ ጥራይ ዘለውኦ ስፍራ ክትህሉ ውሕስነት ይስመዓካ፡ ምስ ዝርድኣልካ ሰባት ክትህሉ ፍኹስ'ዩ ዝብለካ" ትብል ጀይን ወሲኻ።

ሓለዋ ጸጥታ ጽኑዕ ኢዩ፡ እቶም ናብ ውሽጢ ዝኣትዉ ውሑዳት ደቂተባዕትዮ ነተን ኣሰንዮመን ዝመጹ ደቀንስትዮ ኣብጺሖም ብቕልጡፍ ክወጹ ኣለዎም።

እዚ ፖሊሲ ናይ ሓደ ጾታ ኣብተን ዓማዊል ናይቲ ክለብ ጥራይ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ኣሳሰይቲ፡ ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ ዲጀይ፡ ናይ ድምጺ ተክኒሻናት፡ ተላሃይቲ ኩለን ደቀንስትዮ ኢየን።

እዚ ናይ ደቀንስትዮ ጥራይ ክለብ፡ ብክልቲኤን ወገናት ማለት በተን ዓማዊልን በተን ወደብትን ተቐባልነት ዝረኸበሉ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ናይ ሓባር ጾታ ክለባት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ሕማቕ ተሞኩሮታት ኢዩ።

እቲ 'ስትሪክትሊ ሲልክ' ዝብል ስም ዝተዋህቦ ለይታዊ ክለብ ብጆኪ ንጉሚ፡ ጀሪ ጋቱንጎን ኣካቲ ካሲያኒን ብዝበሃላ ኣብ ስነጥበብ ዝነጥፋ ደቀንስትዮ ኢዩ ኣብ 2018 ተመስሪቱ።

"2018 ንደቀንስትዮ ኬንያ ከባድ ዓመት ኢያ ነይራ። ብዙሕ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተፈጺሙላ። ሰባት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘለዎም ጽልኢ ብንጹር ኣብ ኦንላይንን ኦፍላይንን ገሊጾም ኢዮም" ትብል ንጉሚ።

ኬንያ ኣብ ቀረባ ግዜ ብፍጻሜታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ደቀንስትዮን መዛረቢት ማዕከናት ዜና ኮይና ኢያ።

'ኢንተርናሽናል ቻሪቲ ፕላን' ዝበሃል ዓለማዊ ትካል፡ ኣብ 2018 ንናይሮቢ ካብ ዓለም ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ሻዱሸይቲ ከተማ ክብል ሰሪዕዋ ነይሩ።

ገለ ነቐፍቲ፡ እዚ ክለብ መሕብእን መሰሰንን ሕደጾታውያን ደቀንስትዮ ኢዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

ወደብቲ እቲ ክለብ ግና በዚ ኣበሃህላ ኣይሰማማዓን ኢየን።