ኒኪ ሚናጅ ድሕሪ ዝገጠማ ተቓውሞ ካብ ፈሰቲቫል ስዑዲ ዓረብ ኣንሳሒባ

ደራፊት ቅዲ ራፕ ኒኪ ሚናጅ ንመሰላት ደቀ ንስትዮን ማሕበረሰብ ሕደጾታን [ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ] ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ንዝመጽእ ሰሙን መደብ ተታሒዝዎ ዝነበረ ምርኢታ ሰሪዛቶ።

ንሳ ኣብ ፈስቲቫል ሱዕዲ ዓረብ ከም ትሳተፍ ምስ ተሓበረ ካብ ሓያሎ ነቐፍቲ ኣተሓሕዛ ስብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ልዑል ተቓውሞ ኢዩ ክገጥማ ጸኒሑ።

ገለ ድማ ንስምምዒት ዝቕስቅስ ኣከዳድናኣን እቲ ግሉጽ ግጥምታታን ምስታ ኣዝያ ዓቃባዊት ምዃና ዝነገረላ ሃገር ከመይ ከምዝኸይድ ብምግራም ክሓቱ ቀንዮም።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓውዲ ምዝንጋዕ ዝነበራ ተሪር ኣተሓሕዛ እናፎኾሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ቆንስል ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዑል ምክትታል ኣትዩ ኢዩ።

ዝሓለፈ መጋቢት 10 ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ምስ ተኣስራ ድማ እቲ ንግስነት ብኸቢድ ተነቒፉ።

"ተጠንቂቐ ምስ ኣጽናዕኩዎ ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝተመደበ ምርኢት ፈስቲቫል ክሳተፍ ከም ዘይግብኣኒ ወሲነ" ትብል ኒኪ ሚናጅ።

"ንርእሰይ ብዛዕባ'ቲ ኹነታት ዝያዳ ከም ትመሃር ምስ ገበርክዋ፡ ንመሰላት ድቀንስትዮን ማሕበረሰብ ሕደጾታን [ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ] ከምኡ ውን ኣብ ሓሻብካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ዘሎኒ ደገፍ ብግልጺ ከርኢ ከም ዝግብኣኒ ኣሚነ" ክትብል ትውስኽ ኒኪ ሚናጅ።

ኣብ ኣሚሪካ ዝመደበሩ ፋውንደሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዓርቢ ናብታ ድምጻዊት ኣብ ዝለኣኾ ቅሉዕ ደብዳቤ፡ ካብቲ ፍሰቲቫል ከተንሳሕብ ጸዊዑ ነይሩ።

" ናይቲ ስርዓት ገንዘብ ተሓሲማ" ዘለዋ ዝና ተጠቒማ ነተን ተኣሲረን ዘለዋ ተጣበቕቲ ደቀንስትዮ ክፍትሓ ክትሰርሕ ድማ ጸዊዑ።

ሚናጅ ኣብ ስዑዲ ምርኢት ንኽተቕርብ ዕድመ ቀሪቡላ ነቲ መጸዋዕታ ብምቕባላ ኣዘራራቢት ዝኾነት ፈላሚት ስነጥባባዊት ኣይኮነትን።

ኣብ መእተዊ'ዚ ዓመት እውን ድምጻዊት ማርያ ኬሪ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበ ጻውዒት መሰረት ብምግባር መደባ ክትስርዝ ወሲና ነይራ።

ራፐር ኔሊ 'ሚ ኦንሊ' ብዝብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዘቕረቦ ምርኢት ቁጠዐ ክፈጥር ኪኢሉ'ዩ።