እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብማዕርነት ጾታ ዝኣምኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣየነዎት'ዮም....?
ተመራመርቲ በጺሕናሉ ዝበሉዎ መደምደምታ ማዕርነት ጾታ፡ ጓል ኣንስተይቲ ዘላቶም መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ማዕርነት ጾታ ኣመንቲ'ዮም ዝብል'ዩ።
እዚኦም፡ ዝኣረጉን ድሑራትን ኣረኣእያታት ኣይቕበሉን።
ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ ለንደን ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዙርያ ማዕርነት ጾታ ግጉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም መናእሰይ ኣቦታት፡ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ወለዱ ናይ ባህሪ ለውጢ ኣምጺኦም'ዮም።
እዚ ናይ ባህሪ ለውጢ፡ ጓሎም ትምህርቲ እንትትጅምር፡ ብ8 ሚኢታዊት፣ ካልኣይ ብርኪ እንትትበጽሕ ድማ፡ ብ11 ሚኢታዊት ዕብየት ኣርእዩ'ዩ እውን ይብል።
ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣቦታት፡ ትሕቲ 21 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ቈልዑት ዘለውኦም ጥራሕ እንትኾኑ፡ 5 ሽሕ ኣቦታት ተኻቲቶም።
እቲ መጽናዕቲ፡ ካልኦት 6 ሽሕ ዝኾና ኣደታት'ውን ኣሳቲፉ'ዩ።
እዞም ወለዲ ብርክት ዝበሉ ሕቶታተት ዝተሓተቱ ኾይኖም፡ "ናይ ገዛ ዕዮ፡ እጃም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እንታይ ክኸውን ኣለዎ?" ዝብል'ውን ተሓቲቶም'ዮም።
"ሰብኣይ ስራሕ ሰሪሑ ገንዘብ ምምጻእ፤ ሰበይቲ ድማ ቆልዑ ክትሕብሕብን መግቢ ክተብስልን" ዝብል ሓሳብ ዝሰማምዕሉ እንተኾይኖም ሕቶ ቐሪቡሎም።
ኣብዝን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን፡ ኣቦታት ዝሃቡዎ ምላሽ ኣብ ከይዲ እናተቐየረ ምምጽኡ ይግለጽ።
"ዕማም ሰበይቲ ኣብ ገዛ ጥራሕ ክሕጸር የብሉን" ዝብል ኣረኣእያ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብዝወለዱ ደቂ ተባዕትዮ ዝተንጸባረቐ ሓሳብ ኮይኑ'ሎ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣረኣእያ ማዕርነት ጾታ ኣብ ከይዲ እናተቐየረ ዝመጽእ ምዃኑን፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ጓል ምስወለዱ ኣብ ዙርያ ማዕርነት ጾታ ዝነበሮም ግንዛበ ከምዝመሓየሽን መደምደምታ ገይሮምሉ ኣለው።
ሓንቲ ካብ ደረስቲ ናይቲ መጽናዕቲ ጁሊያ ፍሊፕ፡ "ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ከይዲ ግዜ ዝመጽእ ምህላው ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን'ዩ" ኢላ።