ልኡል ሃሪን ሜጋን ማርክል፡ ንኣፍሪቃ ዘፍቀረ ንጉሳዊ ስድራ

ንፍቕራዊ ዛንታ ልኡል ሃሪን ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ሜጋን ማርከልን፡ ቦትስዋና ልዑል ግደ ኣለዋ።

እዚ ንጉሳዊ ስድራ፡ ልኡል ምስ ናይ ቀፃሊ መርዓቱ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ኮኾብ ንሓሙሽተ መዓልታት ክዘናግዑ (ክሕፀኑ) ወሲኑ።

ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ ወይዘሪት ማርክል እንትረክብ፡ "ኮባኽብቲ ዝተጣመሩ (ዝተሰማምዑ)" መሲሉ ተሰሚዕዎ ነይሩ።

እዞም መፃምዲ ዳግማይ ኣብ ቀፃሊ ክረምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝርከባ ግዝኣታት ተመሊሶም ዝመፁ እንትኾን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሮም ግዜ ካብ ሕልንኡ ፍፁም ኣይጠፍእን።

እቲ ልኡል ንመፃምዱ ቅዲ ቀለበት ሕጽኡ ምንዳፍ ዝጀመረሉ ግዜ እንትኸውን፡ ነዚ ቅዲ ቀለበት ዝኸውን ኣልማዝ ድማ ካብ ቦትስዋና እዩ ዓዲጉ።

ግና፡ ልኡል ሃሪ ንወይዘሪት ማርክል ምስ ረኸበ ናብ ኣፍሪቃ ሸለው ኢሉ ዝመፀሉ ምኽንያት ብዙሕ ዘስደምም ኣይኸውንን።

ምኽንያቱ ድማ ቅድሚ ሕዚ፡ "ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክመፅእ ከለኹ ኣብ ካልእ ዓለማት ካብ ዝርከቡ ቦታታት ብዝተፈለየ መልክዑ'ዩ ዝስመዓኒ" ኢሉ ስለዝነበረ።

ካብ ንጉሳውያን ስድራ ኢንግሊዝ ልኡል ሃሪ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ።

ርክብ ኣፍሪቃን እዞም ንጉሳውያን ስድራን ብዘሕዝን ውልቃዊ ኣጋጣሚ ይጅምር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንግስቲ ኢንግሊዝ ዘለዋ፡ እነሓጎ ልኡል ሃሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ መንእሰይ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ይጅምር።

ወላዲ እተን ንግስቲ ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ኣብ ለንደን ምስ ሞቱ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥን መስፍን ኢድንቡራህ ዝነበሩ በዓል ገዝአንን፡ ኣብ ኬንያ ዑደት ገይሮም እዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ቁሩብ ዕረፍቲ ብምውሳድ ድማ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ስሙይ ሆቴል 'ትሪቶፕስ' ተዘናጊዖም።

ድሕሪ ግዜ ልኡል ዊልያም፡ ንኬንያ ኣዝዩ ፈትይዋ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ፍሉይ ጦብላሕታ ዘለዎ ሰብ'ዩ።

ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ን ሲኤንኤን ከምዝገለፆ፡ ከም ሓዉ ሃሪ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኩሉ ነገር ስምዒት ናተይነት የሕድረሉ።

ክልቲኦም ኣሕዋት፡ ማለት ልኡል ዊልያምን ልኡል ሃሪን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ፕሮጀክታት ምግባረ ሰናይ ተዋፊሮም እዮም።

እዞም ንጉሳውያን ስድራ ዕቀባን ምሕብሓብን እንስሳት ብፍቕሪ ስለዝፈትውዎ ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ምግባረ ሰናይ ምዕቃብን ምክልኻልን ንግዲ ስኒ ሓርማዝን "ራይኖን" ይሰርሑ ኣለዉ።

ልኡል ሃሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክረምቲ ንሰለስተ ሰሙናት ኣብ ማላዊ ፅቡቅ ግዜ ዘሕለፈ እንትኸውን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ልእሊ 200 ሓራምዝ ብደቂ ሰባትን ጎንፅን ከይጉድኡ ድማ ናብ መዕቖቢ እንስሳት 'ንክቶኮታ' ክመሓላለፉ ሰሪሑ እዩ።

ካብ ምሕብሓብ እንስሳ ዘገዳም ብተወሳኺ፡ ብኤች ኣይቪ ኤድስ ዝተጠቕዑን ወለዶም በቲ ቫይረስ ንዝሞትዎም ህፃናትን እውን ይሕብሕቡ።

ብፍላይ ድማ ልኡል ሃሪ ኣብ ምሕብሓብ እዞም ህፃናት ንዝስርሑ ስራሕቲ ካብ ምድጓም ብዝዘለለ ሓደሽቲ ስራሕቲ እንትስርሑ ብኣካል ተረኺቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም የመሓላልፍ።

ወይዘሪት ማርክል እውን ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ብምስታፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ምስ 'ዎርልድ ቪዥን ካናዳ' ናብ ሩዋንዳ ብምኻድ፡ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ተዓዚባ እያ።

"ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኸብክዎ ፍቕሪ ዘይሃስስን ኣብ ካልእ ዘይረኽቦን እዩ፡ ብደቀይ እውን ክቕፅል እዩ ኢለ የተስፉ" ክትብል ንኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ዘለዋ ፍቕሪ ገሊፃ።