እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣና ጎሜዝ፡ "ስቕ ኣይብልን፡ ታይ ኣምሲለ'የ ስቕ ዝብል"
ቢቢሲ፡- ንኣይተ በረከት ስምኦን ቃለ-መሕትት ገይርናሎም ነይርና። 'ወይዘሮ ኣና፣ 'በይዘአን ዓሪፈን ኮፍ ይበላ' ኢሎምወን ኣለዉ፡፡ እዘን ሰበይቲ ‹‹ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዘእቲ ፖርቹጋል ኣይገደፈንን ›› ክብሉ 'ውን ርኢቶ ሂቦም።
ወይዘሮ ኣና ጎሜዝ፡- ንከምዚ ዝኣምሰለ ዝወረደ ሓሳብ መልሲ ክህብ ኣይደልን ነይረ። ንሃገረይ ምፅራፎም ግን ልክዕ ኣይኮነን። ንዓይን ንሃገረይን ምስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምዝማዶም እውን ልክዕ ኣይኮነን። ኣብ ፖርቹጋል ኣነ ዝልለየሉ፡ ኣንፃር ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ብዝገብሮ ቃልሲ እዩ። እኳደኣስ ኣብቲ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ምፅራር ከቢድ ዝኾነሉ እዋን። ንሂወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትየ እየ ከምኡ ገይረ። ገና ተምሃሪት እናሃለኹ ጀሚረ እየ ነዚ ቃልሲ ኣካይደ።
ቢቢሲ፡- ንክልቴኹም ናብ ከምዚ ዓይነት ቃላዊ ኲናት ዘእትወኩም ግን እንታይ እዩ?
ኣና ጎሜዝ፡-እቲ ነገር ዝጅምር ኣብ 2005 መረፃ፡ ኣነ ተዓዛቢት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ ተወካሊ መንግስቲ ነይሩ። ምሳይን ምስቲ ኣነ ዝመርሖ ተዓዛቢ ጉጅለን በብእዋኑ ይራኸብ ነይሩ። ኣነን እቲ ተዓዛቢ ጉጅለን ነቲ ዝተገበረ ምትላል ስለዘቃላዕና እዩ ኣብ ልዕለይ ቂም ሒዙ።
ምስ በረከት ስምኦን ሰነ 8፣ 2005 [ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን] ዝነበረና ዕላል ፈፂመ ኣይርስዖን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ቅትለት ሰሚዐን ኣብ ሆስፒታላት በፂሐን ሽዑ ንሽዑ ረኺበዮ። ዝበፃሕኩዎም ሓኻይም እናበኸዩ 'ዮም ዝሕክሙ ነይሮም። ኣብቲ ዝረኣኹዎ ጉዳይ መግለፂ ከምዝህብ ንበረከት ነጊረዮ። በዚ ውሳነይ ተቖጢዑ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝተፈጠረ ቅትለት ተሓታቲ ሕብረት ኣውሮፓ እዩ ኢሉኒ። እዚ ዘይረብሕ ሓሳብ እዩ።
ቢቢሲ፡- ኣብ ትዊተርክን ንኣይተ በረከት "ርህራሀ ዘይብሉ፣ ሓሳዊ፣ ጨካን" ኢልክንኦ። መጠኑ ዝሓለፎ ኣይመስለክንን? ዝተጠቐምክናሉ ቃላት ናይ ዲፕሎማሰኛ ኣይመስልን።
ኣና ጎሜዝ፡-ሓቂ ስለዝኾነ እዩ፤ ንሱ ሓሳውን ጨካንን እዩ። ኣብ 2005 ብኣግባቡ እየ ዝፈልጦ ነዚ ሰብ። ከምኡ እዩ ባህሪኡ። ኣነ ምስታ ሃገር ፀገም የብለይን። ፀገመይ ምስ ውልቀ-መለኽቲ እዩ።
ቢቢሲ፡- እዚ ካብ ዝፍፀም ነዊሕ ኮይንዎ'ሎ፡ ንምንታይ ዘይትርስዐኦ?
ኣና ጎሜዝ፡-ታይ ኣምሲለ ዝርስዖ?! ኣብ መረፃ 2005 ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እዮም ሞይቶም። ናታቶም ቤተሰብ ነዚ ይርስዕዎ ድዮም? ኣነ 'ውን ኣይርስዖን። ህይወት ሰብ እዩ ጠፊኡ፤ ነቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ሓላፍነት ክወስዱ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ፡ ሓደ ካብኦም በረከት እዩ።
ቢቢሲ፡- ምስአን ነቲ መረፃ ዝተዓዘቡ ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት እኮ ነይሮም'ዮም፡ ካብኦም ዋላ ሓደ ክንዲ እቲ ናተን ንመንግስቲ ክነቕፉ ኣይረኣናዮምን። ንምንታይ እየን ንሰን ክንድዚ ዝኣክል ንዓመታት ኣጥቢቐን ሒዘንኦ?
ኣና ጎሜዝ፡-ዲፕሎማሰኛታት ክሕስዉ ዝተፈጠሩ ኣይመስለንን። ስቕ ኣይብልን፡ ታይ ኣምሲለ ስቕ ዝብል? ብትእዘዝ መለስን በረከትን ዝተቐተሉ ሰባት ሪኤ እየ፡ ንምንታይ ስቕ ይብል? ሕዚ'ውን ኣብ መፃኢ'ውን ስቕ ኣይክብልን እየ።
ነቲ ካልኦት ስቕ ኢለዮም እንድዮም ግዲ ዝተባህለ፡ ናይ ኩሉ ሰብ ምላሽ ተመሳሳሊ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣነ ብዝረኣኽዎ ነገር ኣዝየ ተቖጢዐ እየ። መለስን በረከትን ዝመርሕዎ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ድምፂ ዘታለልሉ መንገዲ ኣቖጢዑኒ'ዩ። መንግስታት ኣውሮፓ ነዚ መንግስቲ ዝጠበርሉ መገዲ ኣናዲዱኒ'ዩ።
ቢቢሲ፡- እስኪ ናይ ኣይተ በረከት ጉዳይ ይኣኽለና'ሞ፡ ካልእ ሕቶ ክነልዕል፡ ኣብ 2012 ኣይተ መለስ ዜናዊ ኣብ ብራስለስ ከምዝሞቱ ንኢሳት ሓበሬታ ዘቐበልክንኦም ንስኽን ዲኽን?
ኣና ጎሜዝ፡- ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓበሬታ ነይሩኒ። ሽዑ ኣይኮነን'ዶ መለስ ዜናዊ ምሕማሙስ፡ ኣብ ወፃኢ ከምዘሎ'ውን ዝፈልጥ ብዙሕ ሰብ ኣይነበረን። ምሟቱ'ውን ብዙሕ ሰብ ኣይፈለጠን። ዝነበረኒ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝእመን እዩ ነይሩ። ነቲ ሓበሬታ ንሱ ኢሳት ዝተጠቐመሉ ይመስለኒ። ቅድም ኢሉ ከምዝሞተ ዝነገረኒ ምንጪ ሓበሬታይ ኣዝየ ዝኣምኖ እዩ።
ቢቢሲ፡- እሞ ኣይተ መለስሲ ካብቲ ብመንግስቲ ዝተገለፀ መዓልቲ ቀዲሞም እዮም ሞይቶም ኢለን ብርግፀኝነት ክዛረባ'ዶ ይኽእላ?
ኣና ጎሜዝ፡- ዘጠራጥር የብሉን። ፈለማ ንሕክምና ናብ ብራዚል ተወሲዱ። ኩነታት ሕማሙ ዝተገምገመ ኣብ ብራዚል ብዝነበሩ ስፔሻሊስት ሓኪማት እዩ። ገለ ክገብሩ ከምዘይኽእሉ ተነጊርዎ። ብድሕሪኡ እዩ ናብ ብራስለስ ክመፅእ ተገይሩ። ኣነ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብኩሉ እዋን እኳስ ቅድሚ መዓልታት ከምዝሞተ እዩ ተነጊሩኒ። ግን ከኣ ብምሽጥር እዩ ተታሒዙ ነይሩ።
ቢቢሲ፡- ትኽክለኛ መዓልቱ ይፈልጠኦ ዶ?
ኣና ጎሜዝ፡- ኣይዝክሮን
ቢቢሲ፡- ሕማሞም'ከ እንታይ ነይሩ?
ኣና ጎሜዝ፡- እ… ገለ ዓይነት ሕማም ካንሰር ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ብትኽክል እንታይ ከምዝነበረ ግን ርግፀኛ ኣይኮንኩን።
ቢቢሲ፡- ንኣይተ መለስ ከመይ ይገልፀኦም?
ኣና ጎሜዝ፡- በሊሕ መታለሊ (Deviously smart) ነይሩ።
ቢቢሲ፡- ምስ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ፍቕራዊ ርክብ ከምዘለኩም ትሕመዩ።
ኣና ጎሜዝ፡- (ነዊሕ ሰሓቕ) እዚ ቀልዲ ክኸውን ኣለዎ። ንብርሃኑ እፈልጦ እየ። ንበዓልቲ ገዝኡ ዶክተር ናርዶስ'ውን እፈልጣ እየ። ኣብ ኢትዮጵያ እናሃለኹ እየ ዝፈልጣ። ነዚ ሕዚ ዝነግረካ ዛንታ ንሳ'ውን ትፈልጦ እያ። ኣብ 2005፣ 7 ሰነ፡ ናብ 8 ሰነ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ዝነበረ ፍፃመ እዩ።
ኣብ እንዳ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ዝነበሩ ቲም ክላርክን በዓልቲ ገዝኦምን እየ ሓዲረ። ሽዑ ናተይ መደቀሲ ንብርሃኑ ነጋ ገዲፈሉ ከይደ። በይኑ ኣይነበረን። ምስ በዓልቲ ገዝኡ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደጋ ስለዝነበሩ እየ ከምኡ ገይረ። ኣብ ካልአ ቦታ ተሓቢኦም ነይሮም። ኣበይ ከምዝኾነ ሕዚ ኣይነግረካን። ተሓቢኦምሉ ዝነበረ ቦታ ብወተሃደራት መለስ ፍተሻ ከምዝግበረሉ ንኣምባሳደር ቲም ሓበሬታ በፂሕዎ። ብሕቶ ኣምባሳደር ቲም ክላርክን በዓልቲ ገዝኡን ናይ ሸራተን መደቀሲ ክፍለይ ንብርሃኑ ነጋ ገዲፈሉ።
ቢቢሲ፡- እዚ ተግባርክን ንርእሱ፡ ኣብቲ እዋን ገለልተኛ ከምዘይነበርክን ዶ ኣየርእን?
ኣና ጎሜዝ፡- ብፍፁም! ብፍፁም! ብውልቀ-መለኽቲ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ዝኾነ ሰብ ዝገብሮ እየ ገይረ። ህይወት ብርሃኑ ነጋን ብዓልቲ ገዝኡን ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ንዕኡ እዩ ኣምባሳደር ቲም ክላርክ ኣብ ናተይ ክፍሊ ክፀንሑ ደልዩ።
ቢቢሲ፡- ኢትዮጵያዊ ሽም ከምዝወፀልክን ትፈልጣ'ዶ?
ኣና ጎሜዝ፡- እወ ብዙሓት ሰባት ሽም ከምዘውፅኡለይ ይፈልጥ እየ። ብቀንዱ ግን «ጎቤዜ» ዝብል ሰሚዔ'ለኹ (ሰሓቕ)
ቢቢሲ፡- ሓንሳብ ናብ በረከት ክመልሰን። ሎም ቅነ መፅሓፍ ብኣምሓርኛ ኣሐቲሞም ኣለዉ። ዝትርጉመለን ተዝረኽባ መንበበኦ ዶ?
ኣና ጎሜዝ፡- ብዙሕ ዝሰርሖ ቁም-ነገር ኣለኒ። ብዙሕ ከንብቦም ዘለኒ መፃሕፍቲ ኣለውኒ። ንምንታይ እየ ናይ ሓደ ሓሳዊ እዩ ዝብሎ ሰብ መፅሓፍ ዘንብብ? ንሱ እኮ ፋብሪካ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ምናልባት ኣብ መፃኢ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይነ ከንብቦ እኸውን።
ቢቢሲ፡- ኢትዮጵያ ሕዚ ዘላትሉ ናይ ፖለቲካ ኩነታት ከመይ ይግምግመኦ?
ኣና ጎሜዝ፡- ክግምግሞ ዝኽእል ብዝረኽቦም ሰባት ኣቢለ እዩ። ንኣብነት ኣንዳርጋቸው ፅጌ ኣብ ኣውሮፓ ሕብረት ምስክርነቱ ክህብ መፂኡ ተራኺብና ኢና። ንሱ ኣብ ኣብዪ ኣሕመድ ዘሕደሮ ተስፋ ኣደኒቑኒ እዩ። ንዲሞክራሲ ህይወቶም ዝሃቡ ሰባት ኣብ ኣብዪ ተስፋ እንተድኣ ኣሕዲሮም ኣነ ተስፋ ዘይገብረሉ ነገር ኣይረኣየንን።