ዕልቕልቕ ኣውሮጳ፡ ብውሕዱ 120 ሞይቶም ኣማኢት ካልኦት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ዕልቕልቕ ብውሕዱ 120 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

እቲ ዕልቕልቕ ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ዞባ ክሃርም ዝቐነየ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝናብ ዝሰዓበ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሓያሎ ኣፍላጋት ኣውሮጳ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ መሊኦም፡ ሰፋሕቲ ከባቢታት ከምዘዕለቕለቑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ጀርመን ጥራይ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብቲ ዕልቕልቕ ሞይቶም ኣለዉ። መራሒት እታ ሃገር ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ጠንቂ ናይቲ ክስተት ክሊማዊ ለውጢ ብምዃኑ፡ ንምግትኡ ተወፋይነት ከምዘድሊ ተዛሪባ።

ኣብ በልጂም'ውን 20 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ። ሃገራት ሆላንድ፡ ለክዘምበርግን ስዊዘርላንድን'ውን በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ተጸልየን ኣለዋ።

ዕልቕልቕ ዝፈጥሩ ሓያሎ ረቛሒታት'ኳ እንተለዉ፡ ክሊማዊ ለውጢ ሓያል ዝናብ ከምዘስዕብ ተመራመርቲ የረድኡ።

ዛጊት ዓለም፡ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ብ1.2 ሴንቲግሬድ ሪሲና ከምዘላን እቲ ኩነታት እናገደደ ከምዝኸይድን ይንገር።

ቀዳማይ ሚኒስተር በልጂም፡ ኣለክሳንደር ዲ ክሩ፡ ንክብሪ ናይቶም ግዳያት 20 ሓምለ መዓልቲ ሓዘን ክትከውን ኣዊጁ'ሎ።

"ገና እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ የብልናን፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ ሃገርና ፈጺማ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ቀዛፊ ዕልቕልቕ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሆላንድ'ውን፡ ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝሞቱ ዝፍለጥ እንተዘየለ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብተን ዘዕለቕለቓ ከተማታቶምን ቁሸታቶምን ክወጹ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ፤ እቲ ብማእከል ርእሰከተማ በርን ዝሓልፍ ፈለግ ሙዪስ ብምምልኡ፡ ናብታ ከተማ ከምዝወሓዘ ተፈሊጡ።

እቲ ብዘይምቁራጽ ክሃርም ዝቐነየ ዝናብ፡ ኣብ በረኽቲ ጎቦታት ኣልፕስ፡ ምህማም መሬትን ታኼላን ከየስዕብ'ውን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።