እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፈረንሳይን ጣልያንን ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳይን ሰሜን-ምዕራባዊ ጥልያንን፡ ብዘጋጠመ ሓያል ማዕበል፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 25 ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።
እዚ ‘ኣሌክስ’ ተሰምዩ ዘሎ ሓያል ማዕበል፡ ከቢድ ንፋስን ዝናብን ዘኸተለ ኮይኑ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ዕልቕልቕ ኣጋጢሙ ኣሎ። በቲ ዕልቕልቕ ብዙሕ ዓድታት እዩ ተሃስዩ።
ካብኣተን ሓንቲ ድማ፡ ፈረንሳዊት ከተማ ኒስ እያ። ከንቲባ ናይ’ታ ከተማ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዕልቕልቕ ርኢና ኣይንፈልጥን ክብል ነቲ ዘሎ ኹነታት ገሊጽዎ።
ኣብ ሰሜናዊ ጣልያን ድማ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ብውሕጅ ተወሲዶም እዮም። ሩባታት ድማ፡ ልዕሊ ዓቐኖም መሊኦም ከዕለቕልቑ ተራእዮም።
እቶም ናይ’ዚ ዕልቕልቕ ግዳያት ከምዝኾኑ ዝተፈልጡ ክልተ ሰባት ካብ ጣልያን እዮም። እቲ ሓደ፡ ሰራሕተኛ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ወዲ ኣስታት 30 ዓመት ኮይኑ፡ ፔድሞንት ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ብውሕጅ ዝተወሰደ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ሰሜናዊ ምዕራብ ከባብታት ናይ ኢጣልያ፡ 17 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። ካብኣቶም ድማ፡ ኣብ’ቲ ጎቦታት ክዛወሩ ዝኸዱን ዘይተመልሱን 6 ጀርመናውያን ይርከቡዎም።
ኣብ ከባቢ ፔድሞንት፡ ጽርግያታት ብሰንኪ ውሕጅ ስለዝፈረሰ፡ ናብ ብዙሓት ዓድታት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ፈረንሳይ'ውን 8 ሰባት ጠፊኦም ኣለዉ። ኣብ ጥቓ ከተማ ‘ኒስ’ ናብ ዘለዋ ዓድታት ዝወስድ መገድታት ብውሕጅ ዓንዩ እዩ።
ነዚ ዝተሃሰየ ከባብታት ብሄሊኮፕተር ዝተዓዘበ ከንቲባ ከተማ ‘ኒስ’ ክርስትያን ኤስትሮሲ “መገድታት፡ ከምኡ ድማ ኣስታት 100 ዝኸውን ኣባይቲ ብውሕጅ ተወሲዱ እዩ” ክብል ንመደብር ዜና ፈረንሳይ፡ ቢኤፍኤም፡ ተዛሪቡ።
ኣብ ገለ ከባብታት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ ናይ ኣስታት 4 ወርሒ ዝናብ ከምዝዘነበ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።