እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ብንኪ ሓደጋ ውሕጅ ብውሑድ 90 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ
ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብውሑድ 90 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 400 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።
ከቢድ ዝናብ ብዘኸተሎ ውሕጅን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ብራኸ ሩባ ኒል ብምውሳኹን እቲ ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ውድብ ሕቡራት ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ውድብ ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ግን ምትእጉጓል ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፤ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣስታት 2 ሽሕ ናይ ማይ መራኸቢ ቦታታት ተበኪሎም ወይ ተሰይሮም'ዮም።
ምብራቅ ሱዳን፣ ጻዕዳ ኒል፣ ዳርፉርን ካርቱምን ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይነን ኣለዋ። ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ድማ ቅልጡፍ ረድኤት ከምዘድልዮም ተገሊጹ'ሎ።
"ብሰንበት ጥራይ ኣብ ካርቱም ልዕሊ 21 ሽሕ ሰባት በቲ ውሕጅ ተጎዲኦም'ዮም። መንግስቲ ከኣ ኣብ ካርቱም ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣዊጁ'ዩ" ኢሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ወሃቢ ቓል ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት።
ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ካብ ነሓሰ ጀሚሩ 380 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ውሕጅ ክጉድኡ ከለዉ 90 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ብምኽንያት ውሕጅ መንገድታት ብምብልሻዎም ድማ ዘድልይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ኣይተኽኣለን ተባሂሉ።