እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓሪፉ
ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፡ ሌተናንት ጀነራል ጃማል ዖማር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም ልቢ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝሞተ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ምስቶም ኣንጻር መንግስቱ ዝቃለሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ንምዝርራብ'ዩ ኣብ ርእሰከተማ ጁባ ኣብ ዝነበረሉ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ።
ንሱ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልብሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ'ዩ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ተመዚዙ።
ሰራዊት እታ ሃገር ንዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ፡ ምስ ተቓወምቲ ወገናት ኣብ ቀጻሊ ዝርርብ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሱዳን በቲ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ላዕለዋይ ኣካል'ያ ትምራሕ ዘላ።
እቲ ብሌ/ጀነራል መሓመድ ቡርሃን ዝምራሕ ቤትምኽሪ፡ ብ6 ሲቪላውያን መራሕትን፡ 5 ወታሃደራውያን መኮንናትን ዝቖመ'ዩ።
ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ሚኒስተር ኣብ ርእስከተማ ካርቱም ክፍጸም ምዃኑ፡ መግለጺ ናይቲ ቤትምኽሪ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ሓቢሩ።