እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ሱዳን 29 ኣባላት ጸጥታ ንሞት ፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ምስ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተተሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ 29 ኣባላት ጸጥታ ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።
እቲ ቅትለት ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝነበረ ተቓውሞ ብምሕያል፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ክእለ ገይሩ እዩ።
እዚ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዝምልከት ዝሃቦ ፈላማይ ውሳነ እዩ።
ካብቶም ግዳያት ሓደ፡ ወዲ 36 ዓመት መምህር ኣሕማድ ኣል ከይር፡ ኣብ ከሰላ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣንጻር ኣልበሽር ምስታሳተፈ ተኣሲሩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸሞ መግረፍቲ ድማ ሞይቱ።
እቲ መምህር ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸሞን ሽክና ርእሱ ከምዝተሰበረን ዝሕብሩ ጸብጻባት 'ውን ነይሮም።
ሓለፍቲ ጸጥታ ግን እቲ መምህር ብምምራዝ ምግቢ ከምዝሞተ እዮም ዝሕብሩ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ገበነኛታት ኮይኖም ዝረኸቦም ዳኛ ብማሕነቕቲ ክቕተሉ ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ዳኛ ንሓው እቲ መዋቲ፡ ነቶም ኣባላት ጸጥታ ምሕረት ክገብረሎም ዝደሊ እንተኾይኑ ሓቲትዎ ነይሩ። ንሱ ግን እቲ ፍርዲ ክፍጸም ከምዘለዎ ተዛሪቡ።