እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ሰራዊትን ስለያን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንሓድሕዶም ተታዂሶም
ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ኣባላት ኣገልግሎት ስለያን ሱዳን፡ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተኻይዱ።
ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ከም ዝተዓጽወን፡ ኣብታ ከተማ ድሩዓት ወታሃደራዊ መካይን ተዋፊረን ከም ዘለዋን፡ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ጠንቂ ናይቲ ግጭት፡ ኣባላት ስለያ ዘልዓልዎ ናይ መጣየሲ ክፍሊት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ጠቕላሊ ኣገልግሎት ስለያ (GIS) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ስለያ፡ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ዝዕሎ ንደሓር ግና፡ ጽልውኡ እናጎደለ'ዩ መጺኡ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝፍጠር ግጭት ንምርግጋእ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ተዓዘብቲ ተዛሪቦም።
ዑመር ኣልበሽር ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ብወታሃደራውያን ኣዘዝትን ሲቪላውያንን ዝምራሕ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ተመስሪቱ ይርከብ።