እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ
ሱዳን፡ ቅድሚ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ምስጋራ ንሰለስተ ዓመት ኣብ መሰጋገሪ ምምሕዳር እትጸንሕ ኮይና፡ ንዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይራ ሸይማቶ ኣላ።
ዓብደላ ሓምዶክ፡ ሰላም ንምምጻእን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጣባዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
እዚ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ሃገራዊ ምርጫ ዝካየድ እዩ ነታ ሃገር ክመርሕ።
ሓምዶክ ካብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ እዩ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ክኸውን ተሸይሙ ዘሎ።
ንሱ፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግል ጸኒሑ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓምዶክ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ብኣልበሽር ተሓጽዩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ኣይተቐበሎን።
ዓብደላ ሓምዶክ መን እዩ?
- ብ 1956 ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኮርዶፋን ተወሊዱ
- ካብ ዩንቨርሲቲ ማንቸሰተር ብመጽናዕቲ ስነ-ቁጠባ ፒኤችዲ ኣለዎ
- ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ዙምባብዌ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ኣገልጊሉ
- ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ (ኢሲኤ) ኮይኑ ሰሪሑ