እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሌ/ጄነራል ኣብደልፋታህ ኣል-ቡርሃን፡ 'ሉኣላዊ' ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሕ ተሸይሙ
ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ሌተናል ጄኔራል ኣብደል ፋታህ ኣብደልራህማን ኣል-ቡርሃን፡ ናይቲ ከም ብሓድሽ ዝተጠየሸ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ብሓላፍነት ክመርሕ ሎሚ መዓልቲ ተሸይሙ።
ኣብ ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ዝግበር ስግግር ብቐንዱ ከሰጉም ዝተጣየሸ ሓድሽ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ፡ ሽድሽተ ሲቪላውን ሓሙሽተ ወተሃደራዊ መኮንናትን ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ። ሓደ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገን ዘይኾነ፡ ብናይ ሓባር ስምምዕ ዝሕረ ኣባል ክህልው ትጽቢት ይግበር።
ገደብ እቲ ቤት-ምኽሪ ድማ 39 ኣዋርሕ ክኸውን እዩ ተወሲኑ።
ካቢኔን ንዕኡ ዝመርሕ ቀዳማይ ሚንሰተርን ክህልው እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እቶም አመራርሐ ሲቭልያን ደለይቲ ለውጥን መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪን 'ታሪኻዊ' ስምምዕ ምፍርራሞም ዝዝከር እዩ።
በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ጀነራል ቡርሃን ነቲ ዝጸንሐ ስግግር ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተኪኡ ነታ ዓዲ ዘመሓድር ላዕለዋይ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ንመጻኢ 21 ኣዋርሕ እዩ ክመርሖ።
ካብኡ ቐጺሉ ድማ፤ ከም አቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ኣብ 2022 ሃገራዊ መረጻ [ምርጫ] ክሳብ ዝካየድ ብካሊእ ሲቪላዊ መራሒ ክትካእ ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰፊሩ እዩ።
ከምኡ ድማ፡ ብሲቪልያን አመራርሓ ተቓውሞ ዝተሓረየ ስሙይ በዓል-ሞያ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሽውም እዩ።
ሚኒስተራት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገርን ሚኒስትሪ ውሽጢ-ዓድን ድማ ካብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ክሕረዩ እዮም።
እዚ ሓድሽ ካብ ሲቪልያንን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ብጥምረት ዝጣየሽ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ውድቀት ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሑ እንትኸውን፡ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ እዮም ካብ ስልጣኖም ተሰጒጎም።