ሱዳን፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ካብ መሰጋግሪ መንግስቲ ኣንሳሒቡ

ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣን ንኽእለ ዝመርሐ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፡ ኣብዚ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከም ዘይሕውስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽርን፡ ልፍንቲ ተቃወምቲ ሱዳንን ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ከሰጋግሮም ዝኽእል ምክታሞም ዝፍለጥ'ዩ።

ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሽዱስተ ካብ ሲቪል ሓሙሽተ ከኣ ካብ ጀነራላት ተመሪጾም ንዝመጽኡ ሰለስተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ እዋን ክመርሑ ከም ዝተሰማምዑ ይፍለጥ።

ኣባል እቲ ልፍንታዊ ተቃዋሚ ሓይሊ ዝኾነ፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ግን ኣብቲ ባይቶ ከም ዝህሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ባይቶ ዘይሻራዊ ተቆጻጻሪ ብዓል መዚ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ኣብ ዝመጽእ 17 ነሓሰ ዝፍረም ኮይኑ፡ እዋነ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ካብ ንጽባሒቱ ክጅምር እዩ።