እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ውዕል ሰላም ከቲሙ
ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ውዕል ሰላም ከቲሙ።
እዚ ውዕል ሰላም፡ ነቲ ንልዕሊ 8 ዓመታት ብሰንኪ ግጭት ሰብኣዊ ሓገዝ ተሓሪምዎ ዝነበረ ህዝቢ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክረክብ መንገዲ ንክኸፍት ትጽቢት ይግበረሉ።
እዚ ውዕል ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ካብቶም ነዚ ውዕል ሰላም ዝኸተሙ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ዞባታት ዳርፉር፡ ጎቦ ኑባን፤ ብሉ ናይልን ዝመጽኡ ዕጡቃት ተቓወምቲ ሓይልታት ይርከብዎም።
ግዝያዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳና ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዞባታት በይንኣዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ተበግሶ ከምዝወሰደ ዝዝከር'ዩ።
ፕረዚደንት ዑምር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ምያዝያ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ንሃገረ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ነታ ሃገር ኣብ ምሕባር ዝነኣድ ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ'ዩ ዝጥቐስ።