ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ኣመሪካ ክትወጽእ ሱዕዲ ዓረብ ጸዊዓ

ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ንሱዳን ካብ መዝገብ "ሃገራት ደገፍቲ ግብረሽበራ" ኣመሪካ ንምውጻእ ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጻ።

እቲ መግለጺ፡ መራሕቲ ሱዳን ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ምርኻቦም'ዩ ተዋሂቡ።

ኣቦመንበር፡ ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ዓብደልራሕማን ቡረሃንን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ።

ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን "ዓቢ ናይ ወፍሪ ፕሮጀክትታት ከትጅምር" ምዃናን፡ "ነቲ ዝነበረ'ውን ከተማሓይሽ" መደብ ከም ዘለዋን ኣፍሊጣ'ላ።

ሱዳን ብወገና፡ ንሱዕዲ ኣብ "ዓለምለኻዊ መድረኻት ክትድግፋ" ቃል ከም ዝኣተወት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዕዲ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሱዳን፡ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ዘተባብዕ ሃዋሁ ንምፍጣር ክትሰርሕ ምዃናን፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምስፋሕ መደብ ከም ዘለዋን'ውን ካብቲ መግለጺ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

ኣብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረሽበራ ሃገራት ምስፋራ፡ ናይ ልቓሕ ሕድገት ከይግበረላ ዝኽልክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)ን ዓለማዊ ባንክን ልቓሕ ከይትረክብ'ውን ዝእግድ'ዩ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ ሱዕድን ኢማራት ዓረብን ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንሱዳን ሂበን ኣለዋ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተቓውምቲ ወገናት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ተኣዊጁ ይርከብ።

ስልጣን ናይቲ መሰጋገሪ እዋን'ውን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ተመቓሪሑ ይርከብ።