ኣብ ኬንያ 200 ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም

ኣብ ኬንያ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ፡ ብዝወረደ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ዝመጽአ ውሕጅን ምህማም መሬትን ኣስታት 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

ብኣሻሓት ዝቑጸር ሄክታር ሕርሻ ዘራእቲ በቲ ውሕጅ ከምዝተወሰደ ድማ፡ መግለፂ ፕረዝደንት እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሓያል ዝናብ ንመጻኢ ሰሙናት ክቕጽል ምዃኑ እዩ ተተንምብዩ ዘሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብፍላይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጭዉ ክልተ ግድባት ንሓደጋ ከይሳጥሑ ተሰጊኡ ።

ኣብ ትሕቲ እቶም ግድባት ዝርከቡ ነበርቲ፡ ካብቲ ከባቢ ክለዓሉን ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ክወጽኡን ተነጊርዎም።

መንግስቲ ኬንያ፡ እቲ ውሕጅ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ከተዓናቕፎ ከምዝኽእል ድማ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ ኬንያ፡ ዛጊድ 26 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም።