እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ 'መርገም' ዝተፈጠረ ቅርጺ 'ኒው ዮርክ'-ኮንሶ
ቀደም፡ ካብቶም ትሸዓተ ዓሌታት ኮንሶ ሓደ ዓሌት ፋሻ ዝበሃል ነይሩ። ነቲ ዓሌት ዘመሓድር ወዲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣልሞጌ ገለ ነውሪ ይገብር።
"ናይቲ ዓሌት ንጉስ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ከእቱ ኣይኽእልን" ዝብል ሕግጋት ኮንሶ ጥሒሱ ክልተ ይምርዐው።
እዚ ተግባር እቲ ልኡል፡ ካልኦት መራሕቲ ዓሌታት ኮንሶ ኣሕዚኑ፡ ኣቖጢዑ ድማ።
ኣብ ልዕሊኡ መቕጻዕቲ ክብይኑ ድማ ወሲኖም።
እቲ ብይን ከምዚ ዝብል እዩ። "ንስኻ ድሕሪ ሕዚ ንጉስ ክትከውን ኣይትኽእልን። ክብርኻ ኣብዚ ኣብቂዑ'ዩ። ምናልባሽ ወድኻ ንጉስ ናይ ምዃን ዕድል ይህልዎ ይኸውን"።
በዚ ውሳነ ዝሓረቐ እዚ ልኡል ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዓብይ ክብሪ ዝወሃቦም ክልተ ኣቕሑት ሰሪቑ ይስወር። ኣምባር ኢድን (በናጅር) ካብ ቀርኒ መፍለስ ዝተሰርሐ ጥሩንባን።
እቲ ልዑል፡ እታ መቦቀሉ ገዲፉ ድማ ሕዚ ብልሙድ 'ኒውዮርክ' እናተብሃለ ናብ ዝጽዋዕ ከባቢ ግዒዙ። እቲ ከባቢ ኣብቲ እዋን ለጥ-ዝበለ ጎልጎል እዩ ነይሩ ይበሃል።
ኣብዚ ሜዳ እንትበጽሕ እታ ኣምባር ኢድ ወዲቓ ኣሰራ ትጠፍኦ። ከም ጎማ መኪና እናተሽከርከረት ከይዳ-ከይዳ ካብ ዓይኒ እቲ ልኡል ተሰዊራ ይበሃል።
ጭንቂ ኾይኑ። ነዛ ክብርቲ ኣቕሓ፡ ኣሊሹ ኣሊሹ ምስ ሰኣና ድማ ናብ ሓደ ኮረብታ ደይቡ ኣማዕድዩ እንትረኢ ኣብ ርሑቕ እናብለጭለጨት ትረአዮ።ናብቲ ስፍራ ወሪዱ እንተኸደ ግን 'ሽታ-ማይ' ትኾኑ።
ካብቲ ኮረብታ ናብዚ ሜዳ ደጋጊሙ ደይቡ ወሪዱ ተስፋ ምስ ሰኣነ ድማ፡ ነቲ ካብ ቀርኒ መፍሎስ ዝተሰርሐ ጥሩምባ ገይሩ ነታ ምድሪ እናወግአ ከምዚ ክብል ብሕሱም ረገማ።
"ኣንቲ ምድሪ ርግምቲ ኹኒ። ሓሳረ-መከራኺ ድማ ረእዪ" ኢሉ።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ መሬት እናነቕዐ ኸይዱ እዚ ሕዚ ኒው ዮርክ እንብሎ ቅርጺ ሒዙ ተሪፉ ይብሉ፡ ዓበይቲ ዓዲ።
ካብ መንጎኦም፡ ኣይተ ኣዱላ ኣሰፋ፤ "እዚ ዛንታ ኣባሓጎታትና ንኣቦታትና፤ ኣቦታትና ድማ ንዓና ነጊሮምና።ንሕና ድማ እነሆ ንደቅና ንነግሮም ኣለና" ይብሉ።
ጤሃጣ
ካብ ሑጻ ጥቕጥቕ ኢሎም ዝተሰርሑ፤ ተፈጥኣዊ ህንጻታት። እንትትንከፉ ዝፈራኸሱ ዝመስሉ፡ ይኹን'ምበር ዘበናት ዝተሳገሩ መልከኣ-ምድራዊ ውህብቶታት እዮም።
እዚ መልከኣ-ምድራዊ ዝርከበሉ ከባቢ ገሰረጆ ይበሃል።
ብልሙድ ኒውዮርክ እናተብሃለ ዝጽዋዕ፡ ደቂ ኮንሶ ድማ 'ጤሃጣ' እናበሉ እዮም ዝጽውዑዎ።
'ኒው ዮርክ' ዝብል ስያመ ደኣ ካብ ምንታይ ነቐለ?
ልክዕ ከም ገዛውቲ ኣፍ ደገን መስኮትን ዝረኣይሉ ፈረንጂ እዮም ኣብ ሃገርና ዘሎ 'ኒውዮርክ' ይመስል ኢሎም ከምኡ ኢሎሞ -ይብሉ፤ ተወለድቲ ኮንሶ።
እቶም ቅርጽታት ቀልጢፎም ናብ ዓይኒ ዝኣትዉ እዮም። ክትሪኦም እንከለኻ ኾምሪ ጒላታት'ዮም ዝመስሉ።
ዝተፈረኻኸሱ ይመስሉ 'ምበር ካብ ሓጺን ዝተረሩ እዮም። ጸሓይን ቁርን ተጻዊሮም ብዙሕ ዘበናት ጸኒሖም።
ህጻናት ተንጠልጢሎም ምርኣይ ሕዚ ሕዚ ወደቑ ኢልካ ተሰግእ ትኸውን። ንሳቶም ግን ይኽእልሉ እዮም።
"ኣነ እንትውለድ ከምዚኣ ነይሮም። እንትዓቢ'ውን ዝኾነ ለውጢ ኣይረእኹን" ይብሉ ኣይተ ኣዱላ።
ዋይት ሃውስ፣ ፔንታጎን፣ ላሊበላ ዝብሉ ኣሽማት ኣብ ኒው ዮርክ ዝተለመዱ እዮም። "እዚማ ላሊበላ እዩ ዝመስል"፤ "እዚ ድማ ፔንታጎን ይመስል"፤ እናበሉ እዮም ኣሽማት ዝህቡዎም።
ቁመቶም ንቑልቁል ክሳብ 80 ሜትሮ ይበጽሕ።
ናብቲ ከባቢ ብስራሕ ይኹን ብዑደት ዘቕነዐ ሰብ እዞም ቅርጽታት ከይረእየ እንተተመሊሱ ከጣዕሶ እዩ።
ሕዚ ሕዚ ናይ በጻሕቲ ዓዲ እናነከዩ መጺኦም'ምበር ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝስሕቡ እዮም።
ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ ከምዚ ዓይነት ቅጽታት እንትሪኡ፡ 'ካንየን' ወይካኣ 'ጎርጅ' ይብሉዎም።
ሳይንስ ብክልተ ዓይነት መንገዲ ከምዝፍጠሩ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓደ ከቢድ ዝናብ ዘስዕቦ ምብሕጓግ መሬት እንትኸውን፤ ከምኡ ድማ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ውሑጅ እቶም 'ካንየናት' ንኽልተ ይመቕሎም ዝብል እዩ።
ኣብ ዓለም ዝፍለጡ ካንየናት፡ መብዛሕተኦም ብማእኸሎም ሰንጢቑ ዝውሕዝ ማይ ኣሎ።
ንጤሃጣ-ኒውዮርክ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ኮነ ዝውሕዝ ውሕጅ ግን ወይከ። ዝናብ ኮነ ውሕጅ ኣይዕጅቦምን።
ጽባሕ ግን ሓለዋ ከይድለዮም ኣይተርፍን።