ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ፡ ኣብ መሐብሐቢ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ጃፓን ሓያል ዝናብ ብዘስዐቦ ዕልቕልቕ፡ 15 ሰባት ሞይቶም። ካልኦት 9 ድማ ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።

ካብቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ፡ እቶም 14 ኣብ ሓደ ማእከል መሐብሐቢ ዝነበሩን በቲ ዕልቕልቕ ዝሞቱን ኮይኖም፡

እቲ ሓደ ድማ ብምህማም መሬት እዩ ሞይቱ።

ሰብ መዚ እታ ዓዲ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክገልሱ ዝኣዘዙ ኾይኖም፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ወተሃደራት ድማ ኣብ ምድሓን ህይወት ተዋፊሮም ተባሂሉ።

እዚ ዝወረድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፡ ሎሚ ሰንበት’ውን ቀጺሉ ክውዕል ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን፡ ሺንዞ ኣቤ ሰባት ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣጠንቂቑ።

ገለ ምስልታት ከምዘርእይዎ፡ እቲ ዕልቕልቕ ብዘስዓቦ ውሕጅ፡ ብፍላይ ኩማ ኣብ ዝበሃል ዓብዪ ሩባ ንዝነበረ መሳገሪ ድልድል ሓጺቡ ወሲድዎ ኣሎ።

ሜትሮሎጂካል ኤጀንሲ ጃፓን፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ሓያል ዝናብ ወሪዱ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ።

ሓንቲ ሰበይቲ፡ በቲ ጥቓ ገዛኣ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሕጅ ብዝፈጥሮ ድምጺን ምንቅጥቃጥን ኣዝያ ከምዘፍረሐት ተዛሪባ።

“ገዘፍቲ ኣእዋምን ዓበይቲ ገዛውትን በቲ ውሕጅ እንትውሰዱን እንትሰባበሩን ብዓይነይ ሪኣ” ኢላ።