እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት ዕልቕልቕ ውሕጅ ኣንጸላልዩ'ሎ
ዛጊድ ኬንያ ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ብሓያሎ ሓደጋ ውሕጅ ዝተጠቕዓ እንትኾና፤ ሜትሮሎጂስት ካሊእ ነዚ ዘባኣኣስ ዝናብ ይመጽእ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም።
እቶም ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ሎሚ ከም ዝሃርም ተተንብዩ ዘሎ ሓያል ዝናብ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ከጋድድ ይኽእል እዩ።
ዞባዊ ዳሬክተር 'ኣክሽን ኣገይነስት ሃንገር'፡ ሃጂር መዓሊም፡ ኣብ ታሪኽ ሓደጋ ምዕልቕላቅ ውሕጅ ሶማልያ ብዝኸፍአ ዝተጠቕዓት ኢሉዋ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፡ ካብ 270 ሽሕ ንላዕሊ ሶማልያውያን ካብ መንበሪ ገዘኦም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሓቢሩ።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፡ ሳልቫ ኪር፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣዊጁ።
ከምኡ'ውን ገለ ክፋላት ኬንያ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኾይኑ እዩ።
'ዝኸፍአ ሓደጋ'
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍላይ ኣብ ከም ፒቦር ዝበሃሉ ከባብታት ደቡብ ሱዳን እቲ ሓደጋ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣተሓባባሪ ሕጹጽ ሓገዝ፡ ማሕበር ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ኢዲ ፈርዲናንድ ኣቴ፡ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ " እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ዘስግእ እዩ። እታ ከተማ [ፒቦር] ሙሉእ ንሙሉእ'ያ በቲ ውሕጅ ኣዕለቕሊቓ ዘላ" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሓገራት፡ እቲ ኩነታት ብተመሳሰሊ ገሊጹዎ።
"ነቶም ግዳያት ክንሕግዝ ክንብል ክሳብ ብርክና ኣብ ውሕጅ እናኣተና ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢሉ።
ቅድም ክብል፡ ነቲ ሓደጋ ዝሕብር እሙን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተረኽነበን ነይሩ።
ብርግጽ ኣብ ኬንያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘይተለምደ ሓያል ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ዘመላኽት ሓበሬታ ነይሩ።
ኣብቲ ዞባ ሓያሎ ዝናብ ንኽወርድ ምኽንያት ተገይሩ ዝጥቀስ ኩነታት ኣየር፡ 'ፖዚቲቭ ኢንድያን ኦሽን ዲፖለ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ክስተት እዩ።
እዚ ድማ፡ ብፍላይ ምዕራባዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብቲ ምብራቓባዊ ክፋሉ ብዝበለጸ ክውዒ እንከሎ ዝኽሰት እዩ።
እዚ ብቐጥታ ምስቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ይራኸብ ኣይራኸብ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እንተኾነ እቲሃደጋ ክጋደድ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።
'ክያር' እናተብሃለ ዝፍለጥ ካብ ማእኸል ባሕሪ ዓረብ ዝለዓለ ማዕበል ድማ፡ ኣብ ሶማልያ ሓያሎ ዝናብ ከየስዕብ ይስጋእ።
እቲ ዝናብ ካብዚ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ንሰሙናት ክጸንሕ ከምዝኽእል ድማ ትነበያ ኩነታት ኣየር ቢቢሲ የመላኽት።
ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን እቲ ሓደጋ ከም ዘንጸላልወን ይግለጽ።