ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ግሪክ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ኣብ ግሪኽ ኣብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት፡ ባርዕ ብምልዓሉ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ደሴት ሌስቦስ ዝርከብ፡ ሞርያ ዝተብሃለ መዓስከር ስደተኛታት ባርዕ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ሬሳ ሓንቲ ሰበይቲ ክርከብ እንከሎ፡ ዘይተረጋገጹ ዜናታት ድማ ሬሳ ሓደ ህጻን እውን ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ድሕሪ እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ስደተኛታት፡ መጥፋእቲ ሓዊ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን ብምባል ተቃውሞ ብምስምዖም፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቐመ ተገሊጹ።

ኣብቲ 3,000 ሰባት ጥራይ ክሕዝ ዝኽእል መዓስከር ስደተኛታት ኣስታት 12,000 ኣብ ቴንዳን ኣብ ኮንተይነርን ዝነብሩ ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 2018፡ ቪክቶርያ ዝተብሃለት ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣብ መዓስከር ሌስቦስ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምቕላዓ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዞም ስደተኛታት ካብዛ ደሴት ክግዕዙ ንመንግስቲ ግሪኽ ምምሕጻኑ ይዝከር።

ኣብ ሃገረ ግሪኽ ካብ ኵናት ሶርያ ዝሃደሙ ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።