ኣብ ጃፓን ሓንቲ ኣደ፡ ሬሳ ናይ ዝወለደቶ ምዉት ቆልዓ ንዓመታት ብምሓዛ ተኣሲራ

ፓሊስ ርእሰከተማ ቶክዮ ንሓንቲ ዝሞተ ዕሸል ድሕሪ ምውላዳ ኣብ መኽዘን ንዓመታት ሓቢኣ ኢሉ ዝጠርጠራ ጓል 49 ዓመት ኣሲሩ።

እታ ኤሚሪ ሱዛኪ ዝተባህለት ጃፓናዊት፡ ብወለንታኣ ናብ ፓሊስ ብምቕራብ ነቲ ሞይቱ ዝተወልደ ውላዳ ቅድሚ "ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ" ዓመት ኣብ ሓደ ብሳንቲም ዝዕጾ መኽዘን ንብረት ኣቐሚጣቶ ከም ዝጸንሐት ተኣሚና።

ኣባላት ፓሊስ ናብቲ ኣብ ሓደ መዋፈሪ ባቡር (ስቴሽን) ከተማ ቶክዮ ዝርከብ መኽዘን ብምኻድ ዝመሽመሸ ሬሳ ናይ ሓደ ዕሸል ብፓላስቲክ ጎማ ተጠቕሊሉ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

ሱዛኪ፡ ነዚ ኹሉ ዓመታት ናይ መኽዘን ክፍሊት ብዘይ ምቁራጽ ክትከፍል ጸኒሓ።

"ምውት ዕሸል ምስ ወለድኩ ሰንቢደ፡ ክጉሕፎ ስለዘይከኣልኩ፡ ክሕዞ ወሲነ" ክትብል ንፓሊስ ሓቢራ።

እታ ስራሕ ዘይብላ ሱዛኪ፡ ነቲ መኽዘን ን24 ሰዓታት ኣስተት ክልተ ዶላር እንናኸፈለት'ያ ኣብኡ ከምዝጸንሕ ጌራ።

እቲ ዘይተኸፍለ ክፍሊት ኣስተት 9 ዶላር እንተበጺሑ፡ እቲ ዋና ነቲ ኣቕሓ ኣውጺኡ ክርእዮ ንክጉሕፎን ይኽእል'ዩ።

ሱዛኪ፡ ምስ ሓደ ትፈልጦ ሰብ ክትቅመጥ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስቲ ሰብ ስለዘይተሰማመዐት ወጺኣ ከይዳ።

እንተኾነ ነን፡ መፍትሕ ናይቲ መኽዘን ኣብኡ ከም ዝረሰዓቶ ምስ ፈለጠት፡ እቲ ሰብ ከይዱ ከይከፍቶ ብምፍራሓ ቀልጢፋ ናብ ፓሰስ ብምኻድ ተናዚዛ።

ፓሊስ ድማ ንሬሳ ሰብ ገዲፋ ብምኻዳ ብምጥርጣር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው፡ ነቲ ኩነታት የጻርይዎ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝተወልደ ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብ ሲንጋፓር ዝምቕማጣ ካሳንድራ ቺዉ፡ ኣማካሪት ስነልቦና ኮይና፡ ዝሞተ ቖልዓ ምውላድ ኪቢድ ጓሂ ዘስዕብን ኣብ ኣእምሮ ናይ ኣደ በሰላ ዝገድፍን ምዃኑ ትገልጽ።

"ሓሚሙ ዝነበረ ቤተሰብካ ክሞተካ እንከሎ፡ እቲ ናይ ሓዘን መስርሕ ኣቐዲምካ ስለእትጅምሮ ልሙድ ሓዘን ክስመዓካ ይኽእል'ዩ" ትብል።

"ዝሞተ ቆልዓ ምውላድ ግን ካብዚ ዝፍለ'ዩ፡ ድሕሪ ሕርሲ ሞት ኣይትጽበን ኢኻ። ብከቢድ ጓሂ ትሳቐ ምንባራ ርኡይ'ዩ" ብምባል ትገልጾ ቺው።

ሬሳ ናይ ሰብ ኣብ ሓደ ኣብ መዋፈሪ ባቡር ዝርከብ መቐመጢ ኣቑሑት ክርከብ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ። ኣብ ጃፓን ኣብ ኩሉ ባቡር ደው ትብለሉ (ስቴሸን) ብሳንቲ ምዝሰርሑ ጊዝያዊ መቐመጢ ኣቑት ኣሎ።