እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዝሞተት ውላዳ ን16 መዓልታት ተሰኪማ እትዘውር ዓሳ ነባሪ
ነታ ዝሞተታ ውላዳ ን16 መዓልታት ተሰኪማ ክትዘውር እትርአ ነባሪ ዓሳ ኣብ መላእ ዓለም ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ'ላ።
እታ ዓሳ ነባሪ ንዝሞተት ውላዳ ተሰኪማታ ክትዘውራ ከላ መጀመርታ ዝተርኣየትሉ ኣብ ደሴት ቫንኩቨር ብ24 ሓምለ 'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዓውዲ መፅናፅቲ ዘካይዱ ኣካላት ከምዝሓበርዎ ድማ ክሳብ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ንውላዳ ተሰኪማ ኣብቲ ባሕሪ ተራእያ።
ብርግፅ ዓሌታት እዛ ነባሪ ዓሳ ('ኪለር ዌል') ንዝሞቱ ደቀን ክሳብ ሓደ ሰሙን ክስከማ ይኽእላ እየን ዝብሉ ተመራመርቲ፡ እዛ ኣደ ግን "ክብረወሰን ክትሰብር" ከምዝኸኣለት ገሊፆም።
ኣብ ማእከል መፅናዕቲ ነባሪ ዓሳ ዝነጥፉ ተመራማሪ ኬን ባልኮምብ "ምናልባት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ክልተ ካልኦት ደቃ ስኢና ክትኸውን ትኽእል'ያ። ንዐኦም ውላድ ምስኣን ኣዝዩ ከቢድ ናይ ሓዘን ስምዒት'ዩ ዝፈጥረሎም" ኢሎም።
ውላድ እታ ነባሪ ዓሳ ብ24 ሓምለ ከምዝሞተት ከምዝግመት ብምሕባር፡ ምኽንያት ሞታ ከምዘይተፈለጠ ተዛሪቦም።
ካናዳን ኣሜሪካን ነዞም ዓሌታት ዓሳ ነባሪ ኣዝዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ (ቁፅሮም ይንክዩ ዘለዉ) ቀተልትን ኣብ ዝብል መዝገብ ኣስፊረንኦም ይርከባ።