ዕልቕልቕ ከራላ፡ ሚልዮናት ተመዛቢሎም

ኣብ ህንዲ፡ ዞባ ከራላ ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣስታት 400 ሰባት ክሞቱ እንክልዉ ኣሽሓት ብዘይ ቤትን ንብረትን ተሪፎም፡ እዚ ኣብ ዞባ ከላራ ዝተራኣየ ዕልቕልቕ ኣብዚ ምሉእ ዘመን ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፈአ ተባሂሉ እዩ ዝንገር።

በዚ ዕልቕልቕ ልዕሊ ሚልዮን ክመዛበሉ እንከልዉ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብታ ዞባ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቴንዳ ኣጽሊሎም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ብርቱዕ ዝናብ ምህራም ኣብ ዘቋረጸሉ፡ ንግዳያት መሰረታዊ ቀረባት ናይ ምቕራብን ናብቲ ተነጺሉ ዘሎ ቦታታት ናይ ምድህሳስን ስራሓት ይቕጽል ኣሎ።