ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዕልቕልቕ 180 ሰባት ሞይቶም

ኣብዚ ሰሙን ዝበጽሐ ሓደጋ ዕልቕልቕ [ውሕጅ] ስዒቡ፡ ነበርቲ እተን ዝኸፍአ ጉድኣት ዝበጽሐን ሃገራት ጀርመንን ቤልጅየምን፡ መጠን'ቲ ማይ ክጎድል ስለዝጀመረ ከባቢኦም ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ፡ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ ምትእልላሽ ብዕቱብ ዝሰርሑ ዘለዉ ኾይኖም፤ መጠን እቲ በቲ ሓደጋ ዝበጽሐ ጉድኣት እናተፈለጠ መጺኡ ኣሎ።

በቲ ዕልቕልቕ ውሕጅ፡ ብውሕዱ 180 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም ዛጊድ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

ብዚ ምኽንያት፡ ብዝሒ መወትቲ ካብቲ ዝተገልጸ ክዛይድ ከምዝኸእል እዩ ዝንገር።

ናይ ሐደጋ ግዜ ሰራሕተኛታት ኣብ ኦስትርያ፡ ኣብ ውሽጢ ጎደናታት ከተማ በሳልበርግ በቲ ውሕጅ ካብ ዝተውሓጡ ገዛውቲ ነበርቲ ብህይወት ከድሕኑ ከምዝኸአሉ ተዛሪቦም።

እቲ ዕልቕልቕ ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ዞባ ክሃርም ዝቐነየ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሓያሎ ሩባታት ኣውሮጳ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ መሊኦም፡ ሰፋሕቲ ከባቢታት ከምዘዕለቕለቑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ጀርመን ጥራይ ንኣርባዕተ ሰናይ ሓደጋ ራሕተኛታት ሓዊሱ፡ ልዕሊ 156 ሰባት በቲ ዕልቕልቕ ሞይቶም ኣለዉ።

ሕዚ ድማ፡ እቲ ሓደጋ ናብ ደቡባዊ ጀርመን፡ ክልል ባቫርያ፡ እናተስፋፈሐ ዝኸደ እንትኸውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝወረደ ከቢድ ዝናብ ሓያሎ ጎደናታትን ገዛውትን እናፈራረሰ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣብ ምዕራብ ጀርመን፡ ሰብ ስልጣናት፡ ነበርቲ ግድብ ስታይንባቻታል ካብቲ ካባቢ ክርሕቑ ከምዝተገብረ ዝተዛረቡ ኾይኖም፡ ናይቲ ግድብ ምፍራስ ስዒቡ፡ ጉድኣት እናወሰኸ ከምዝኾነ እዩ ዘዝረብ።

ከምኡ ድማ፡ ግዝኣታት ጀርመን ዝኾና፡ ሪይንላንድ-ፓላቲናቴ ን የሰሜን ራይን-ዌስትፋሊያን ኣዝየን ከምዝተሃስያ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ምዕራብ ጀርመን፡ ዞባ አውራዌይል ክሳብ 1 ሽሕን 300 ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ተባሂሉ።

ኣብ ሆላንድ'ውን፡ ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝሞቱ ዝፍለጥ እንተዘየለ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብተን ዘዕለቕለቓ ከተማታቶምን ቁሸታቶምን ክወጹ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ፤ እቲ ብማእከል ርእሰከተማ በርን ዝሓልፍ ፈለግ ሙዪስ ብምምልኡ፡ ናብታ ከተማ ከምዝወሓዘ ተፈሊጡ።

እቲ ብዘይምቁራጽ ክወርድ ዝቐነየ ዝናብ፡ ኣብ በረኽቲ ጎቦታት ኣልፕስ፡ ምህማም መሬትን ታኼላን ከየስዕብ'ውን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በልጂም፡ ኣለክሳንደር ዲ ክሩ፡ ንክብሪ ናይቶም ግዳያት 20 ሓምለ መዓልቲ ሓዘን ክትከውን ኣዊጁ'ሎ።

"ገና እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ የብልናን፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ ሃገርና ፈጺማ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ቀዛፊ ዕልቕልቕ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ" ኢሉ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ውሕጅ

መራሒት ሃገር ጀርመን ቻንስለር ኣንገላ መርከል ጠንቂ ናይቲ ክስተት ለውጢ ኩነታት ኣየር [ክሊማዊ ለውጢ] ብምዃኑ፡ ንምግትኡ ሓበራዊ ተወፋይነት ከምዘድሊ ተዛሪባ።

ካልኦት መራሕቲ ኣውሮጳን’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ዝሃቡ ኾይኖም፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ሉክሰምበርግን ኔዘርላንድስምን እውን ጉድኣት ከምዝበጽሐ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ሳይንቲስት ብሰንኪ ሰብ ዘስዐቦ ለውጢ ጸባይ ኣየር ምክንያት፡ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ክመጽእ ከምዝኽእል ቀዲሞም ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።

እቶም ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ ሙቐት ዓለም ብምውሳኹ፡ ሓያል ዝናብ ክወቅዕ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ዘበነ ዕቤት ኢንዱስትሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዋዒ ዓለም ብ1.2 ድግሪ ሴንትግሬድ ከምዝወሰኸ ይዝረብ።