ጓል 90 ዓመት ኣዶ ብኽልተ ዓይነት ዓሌታት ኮቪድ ሞይተን

እተን ብኽልተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝሞታ ጓል 90 ዓመት ኣዶ ናብ ሕክምና ምስኣተዋ ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጢምወን ከምዝነበረ ሓካይም ገሊጾም።

እተን ኣዶ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ምስሞታ፡ ሰባት ብኽልተ ዓይነት ቫይረሳት ኮሮናቫይረስ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

መበገሲኦም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዩናይትድ ኪንግደምን ከምዝኾነ ብዝዝረበሎም ኣልፋን ደልታን ዝተብሃሉ ኮሮናቫይረሳት ከምዝሞታ’ዩ ተገሊጹ።

እተን ሽማግለ ሰበይቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክታበት ወሲደን ከምዝነበራን ኣብ ቤልጅየም ከምዝዓረፋን ተሓቢሩ።

እቲ ሕማም ካብ ክልተ ሰባት ረኺበንኦ ክኾና ከምዝኽእላ’ውን እቶም ሓካይም ጠርጢሮም።

ዋላ’ኳ እዚ ንፈለማ እዋን ብሰነድ ደረጃ ዝተረኸበ እንተኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ግን ይቀላቐል ከምዘሎ ተመራመርቲ ሓቢሮም።

ኮንግረስ ክሊኒካል ማይክሮባዮሎጂን ተላበድቲ ሕማማትን ኣውሮፓ፡ ሎምዘበን የካይዶ ኣብዘሎ ኣኼባ ኣብቲ ዛዕባ ይዛተ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ብራዚል ክልተ ሰባት ብኽልተ ዓይነት ሕማማት ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ዕላዊ ገይሮም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ፖርቹጋል ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ካብ ሓደ ኮሮናቫይረስ ኣብዝሓወየሉ ግዜ ብኻልእ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ምልካፉ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እተን ብኽልተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተለኺፈን ዝሞታ ኣዶ ናብ ሆስፒታል ምስኣተዋ ልዑል ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጢምወን ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ናይቶም ክልተ ቫይረሳት ምትሕውዋስ ናይተን ኣዶ ጥዕና ቀልጢፉ ክቃወስ ከምዝገበረን ተወሳኺ ምርምር ከምዘድልዮ ኣብ ቤልጅየም ሆስፒታል ኦኤልቪ ተመራማሪት ዶ/ር ኣን ገሊጻ።

ቫይረሳት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣብዝመሓላለፍሉ ግዜ ዕብየቶምን ቅርጾምን ይቀያየር እዩ። እዚ ድማ ካልእ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት ቫይረስ እዩ ዝፈጥር።

ኮሮናቫይረስ’ውን እንተኾነ ተፈጥሮኣዊ ዕብየቱ ብምቅይያር ብሓድሽ መልክዕ ይመጽእ ኣሎ። ገለገሊኦም ዓይነታት ቫይረስ ዋህዮታት ናይ ምክልኻል ዓቕምን ክታበትን ክፈታተኑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ብቕልጡፍ ዝላበድ ዘሎ ዓሌት ቫይረስ ደልታ ዝበሃል ኮይኑ እቶም ዝወሃቡ ዘለዉ ክታበታት ነዚኦም ዓይነታት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎም ተመራመርቲ ይሕብሩ ኣለዉ። ተመራመርቲ ንኮሮናቫይረስ ብዝሓሸ መልክዕ ክከላኸል ዝኽእል ክታበት ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከቡ።