ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዘኸትሎ ሓደጋ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ

ህጻናት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንኸቢድ ሕማም ኮነ ንሞት ዝሳጥሑሉ ሓደጋ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ፡ ሓድሽ ትንታነ ረኽሲ ኮቪድ-19 ኣረጋጊጹ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ 12 ኣዋርሕ፡ ኣብ እንግሊዝ ዝተኣከበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኖም 25 ቆልዑት ጥራይ ሞይቶም።

እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕዱር ሕማማት ዝነበሮምን ንጸገማት ጥዕና መትኒታት ዝተቓልዑን ሰባት ከኣ፡ ብዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ዋላ ኣብ ሓደጋ ከውድቖም ዝኽእል ሕዱር ጥዕናዊ ጸገማት እናሃለዎም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ኣይግበርን ዘሎ።

ንመረዳእታ ጥዕና ማሕበረሰብ ዓዲ እንግሊዝ ዝዳህሰሱ ኮይኖም፡ መብዛሕቲኦም እቶም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ነኣሽቱ ቆልዑ [ትሕቲ 18 ዓመት] ካልእ ተደራቢ ጸገማት ጥዕና ዝነበሮም’ዮም።

  • ኣስታት 15 ንህይወት ዝግድቡ ወይ ካልኦት ዝጸንሑ ጸገማት ጥዕና ዝነበሮም’ ነይሮም፤ ካብ ሞንጎኦም እቶም 13 ዝተሓላለኸ/ከቢድ ጸገም ጥዕና መትኒ ከምዝነበሮም ተረጋጊጹ’ሎ
  • 6 ቆልዑት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ተደራቢ ጸገም ጥዕና ዘይነበሮም ክኾኑ ከለዉ፡ ምናልባት ዘይተፈለጡ ሕማማት ነይሮምዎም ከይኮኑ ይግመት
  • ካልኦት 36 ቆልዑት ድማ ብኻልእ ምኽንያት’ኳ እንተሞቱ ምርመራ ኣብ ዝተገበረሎም እዋን ግን፡ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም’ዩ
  • ይኹን ደኣ’ምበር እቲ ሓፈሻዊ ሓደጋ ክረኣይ ከሎ ሕዚ’ውን ዝተሓተ እዩ፤ እቶም ንሞት ዝተቓልዑ ቆልዑን ነኣሽቱን መብዛሕቲኦም ዕድሚኦም ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾኑ፣ ዓሌቶም ድማ ጸለምቲ ወይ እስያውያን እዮም።

ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ሞት 25 ቆልዑት፡ ምስቲ ዘለዋ 12 ሚልዮን ብዝሒ ህጻናት ኣነጻጺርካ ክረኣይ ከሎ ካብ 1 ሚልዮን ህጻናት 2 መጠን ሞት ኣጋጢሙ ማለት’ዩ።

‘ኣብ ሆስፒታል ምጽናሕ ልሙድ ዘይምዃን’

ተመራመርቲ ክሳብ ለካቲት 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ንቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ሆስፒታል ናይ ዝተሰወዱ ህጻናትን ነኣሽቱ ቆልዑን ብዝሒ ዳህሲሶም ነይሮም።

  • ንኻልእ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮ ጸገም ጥዕና (ብሓደጋ ንዘጋጠመ መጉዳእቲ ከይሓወሰ) 367,600 ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ከለዉ፡ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ዝተገደዱ ግን፡ 5,800 ጥራሕ ነይሮም
  • ኣስታት 250 ኣዝዩ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ናብ ዝግበረሉ ክፍሊ ኣትዮም
  • 690 ቆልዑት ድማ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ነድሪ፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ክግንዘቡ ኪኢሎም
  • እቲ ሓፈሻዊ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ኣዝዩ ዝተሓተ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ጸገማት ጥዕና ዝነብሩ ህጻናት፣ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት ዘለዎም፣ ናይ ልብን መትንን ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ህጻናት እቶም ንዝኸፍአ ሓደጋ ዝተቓልዑ’ዮም

ነቲ ምርምር ዝመርሐ ፕሮፌሰር ሩሰል ቪነር፡ ህጻናት ክታበት ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምውሳዶም ብዙሕ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ክኸውን ከምዘለዎ ይምዕድ።

ዋላ እኹል ዝኾነ ክታበት እንተተረኺቡ፡ ነቶም ክታበት ከምዘድልዮም ዝተኣመነሎም ቆልዑት ጥራሕ ክወሃብ ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ።

በዓልቲ ሞያ ሕክምና ህጻናትን ጥዕና ቆልዑን ኮሌጅ ሮያል ዶክተር ኤልሳቤጥ ዊትቴከር፤ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላት ውሑዳት ቆልዑት ጥራይ ብጽኑዕ ሓሚሞም ምርኣይ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ገሊጻ።

“ነዚ መጽናዕቲ ዝወዓለ መረዳእታ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ንዝነበረ ኩነታት ጥራይ ዘጠቓለለ’ኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ደልታ ዝበሃል ዓይነት ቫይረስ ዝተረኣየ ለውጢ የለን። እዚ መረዳእታ ከኣ ንህጻናት፣ ነኣሽቱ ቀልዑን ስድርኦምን ዘተኣማምን ከምዝኸውን ተስፋ እገብር” ኢላ።