‘ኣመሪካ ከይነገረትና ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ወጺኣ’ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን

ሓዲሽ ሓላፊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣፍጋናዊ ጀነራል፡ ኣመሪካ ነቲ ቀንድን ዝዓበየን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ንሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ከይነገረት ብለይቲ ገዲፋቶ ከምዝወጽአት ሓቢሩ።

ኣፍጋናዊ ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ መዓስከር ባግራም ዓርቢ ለይቲ ሰዓት ሰለስተ ከምዝወጽኡ ንሶም ግን [ሰብ መዚ ኣገፍጋኒስታን] ድሕሪ ስዓታት እቲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ጥራዩ ምህላዉ ምፍላጦምን እዩ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ትጥቀመሉ መዓስከራት ዝዓበየ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኣብ ውሽጡ ክሳብ 5000 ዝኾኑ ካብ ዝተኣሰሩ ጣሊባን ከምዝነበርዎን ግቡእ ምርኽኻብ ናይ እሱራት ከምዘይተገበረን እቲ ኣፍጋናዊ ጀነራል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘንሳሕብ፡ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝያዳ ክዕብልሉ'ዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።

ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ: ብሰኑይ ጣሊባን ንባግራም ከጥቅዕዋ መደብ ከምዝነበሮም ክፍልጡ ምኽኣሎም'ውን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኮይኑ ንጋጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጣሊባን ኣብ ቀረባ ካብቲ መዓስከር ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ወተሃደራዊ መንቅስቃሳት ጀሚሮም ምህላዎም ሓቢሩ።

"ክትፈልጥዎ ዘለኹም ንዓቕምና ምስ ናይ ኣመሪካ ዓቕሚ እንተኣወዳዲርናዮ ዓቢ ፍልልይ'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል "እንተኾነ ብዘለና ዓቕሚ፡ ንህዝባና ነኸነገልግልን ሰላሙ ከነውሕስን ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

ኣመሪካ ብዓርቢ ካብ ኣመሪካ ጠቕሊላ ምስ ወጽአት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ን20 ዓመታት ዝቀጸለ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝዛመት ዝሕብር እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ጠቅሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ እዮም እኳ ኢሉ እንተነበረ፡ ቅድሚ እቲ ዝበሎ ጥቅሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ወጺኦም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ እቶም 90 ሚኢታዎት ጠቅሊሎም ከምዝወጽኡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ [ ፔንታጎን] ብሰሉስ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ ንኤፒ ከም ዝሓበሮ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣሽሓት ናይ ፕላስቲክ ማይ፤ ሓይሊ ዝህብ ፈሳሲ፤ ዝተዓሸገ መግቢ፤ ኣሽሓት መፍትሕ ዘይብለን ናይ ሲቪል መካይን፡ ኣማኢት ወተሃደራውያን መካይንን ዝርከቦ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ዝኸውን ንብረት ገዲፎም'ዮም ወጺኦም ኢሉ።

ውሃቢ ቃል ምክልኻል ኣመሪካ ኮሮኔል ሶኒ ለጋት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝውጽእዎ መግልጺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ብዙሓት መዓስከራት ጠቅሊሉ ክወጽእ ምኳኑ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ከምዝተመያየጡ ገሊጹ ነይሩ።

ኣፒ፡ እቶም ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ውሽጡ 20 ደቓይቅ ካብ ባግራም ከምዝወጽኡን ናይቲ ሓይሊ ኣየር ኤለትሪክ ስለዝጠፈአ እቲ ቦታ ጸልማት ከምዝወረሶን ሓቢሩ።

እቲ መዓስከር ሰረቅቲ ከምዝኣተዉዎን ኣብ ዝቀጸሉ መዓልታት ካብቲ መዓስከር ዝተሰረቐ ንብረት ኣብ ጎዶናታት ክሽየጥ ከምዝተራኣየ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤፒ ገሊጾም።

መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ክሳብ 10 ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ዝነበርዎ ኣዝዩ ምዕቡል መዓስከር እዩ ነይሩ።

እዚ ኣብ 1950ታት ብሶቭየት እተሃንጸ መዓስከር፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1980ታት ኣብ ኣፍጋኒስት እቲ ቀንዲ መዓስከራ ከምዝነበረ ይንገር።

ኣመሪካ ኣብ 2001 ኣንጻር ኣልቃዒዳ ኵናት ንምክያድ ኢላ ናብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣተወት ኸኣ ቀንዲ መዓስከራ ገይራ ክትግልገለሉ ጸኒሓ።