ልዕሊ 200 ትካላት ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምወን

ልዕሊ 200 ትካላት ኣመሪካ ‘ኮሎሳል’ ብዝተህባለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ክፍሊ ምክልኻል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ንትካላት ገንዘብ ምሕታት ብተደጋጋሚ ይረአ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቶም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለ፡ መጀመርታ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ካሰያ ዝተባህለ ናይ ኮምፒተር ማእከል እዮም ኣጥቂዖም፤ ብድሕሪኡ ናብተን ናይቲ ማእከል ‘ሶፍትዌር’ ዝጥቀማ ትካላት ቀጺሎም፡፡

ትካል ካሰያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ‘ሓደገኛ’ ዝበሎ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ የጻርዮ ከምዘሎ ንዓማዊሉ ሓቢሩ።

ነቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ራሽያ ዝመደበሩ ረቪል ዝተባህለ ጉጅለ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ክፍሊ ምክልኻል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትአን ትካላት መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ንምጽንባል ኣብ ዝሸባሸባሉ ዝነበራ ዓርቢ ምሸት እዩ ተፈጺሙ።

ትካል ካሰያ፡ እቲ ንዴስክቶፓትን ናይ ኔትዎርክ ኣገልግሎት ዝህብ ክፋል እቲ ትካል በቶም ሰርሰርቲ ተጠቒዑ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ትካል ‘ቪኤስኤ’ ዝጥቀሙ ዓማዊሉ፡ ሰርቨራቶም ክዓጽዉ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ትካል ካሰያ ኣብ መግለጺኡ ካብተን ንሱ ናይ ኔትዎርክን ሰርቨርን ኣገልግሎት ዝህበን ትካላት 200 ትካላት ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምወን ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እተን ትካላት በዓል መን’የን ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ትካል ካሰያ ዝርዝራዊ መልሲ ክህብ ፍቃደኛ ኣይኮነን።

ትካል ካሰያ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ሃገራት ንልዕሊ 10 ሽሕ ዓማዊል ኣገልግሎት ዝህብ ግዙፍ ማእከል ኮምፒተር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቭላዳሚር ፑቲንን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ጆ ባይደን ንቭላዳሚር ፑቲን እቲ ካብ ሩስያ ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ደው ክብል ክጽዕር ተማሕጺንዎ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ረቪል ዝተብሃለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ጉጅል ሶዲኖኪቢ እናተብሃለ’ውን ይጽዋዕ’ዩ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ጉጅለታት እቲ ዝተፈለጠን ብዙሕ ገንዘብ ዘኻዕበትን ጉጅለ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ነቲ ኣብ ዓለም ብቀረብ ስጋ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጃይቢኤስ ዝተባህለ ትካል እቲ ጉጅለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመሉ እዩ ኤፍቢኣይ ዝገልጽ።

እዚ ረቪል ዝተባህለ ጉጅል ኣብ 2019’ውን ኣብ ቴክሳስ ዓሰርተታት ትካላት መንግስቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ባይታ ከምዘጣጠሐ’ውን ይኽሰስ’ዩ።