እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ጓል 12 ዓመት ክንሳ ዕርቃና ኮይና ንክትስኣል ዝተሓተተት ኢሎን
ብዙሓት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብ'ኦንላይን' ከምኡ'ውን ብኣካል ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከም ዝዛየደ ብምሕባር የጠንቕቁ ኣለዉ።
ኣብ ዩክረይን ዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ ካብ 6 ክሳብ 17 ዕድሚኦም ህጻናት ብተደጋጋሚ 'ብኦንላይን' ዕርቃኖም ኮይኖም ክፋል ኣካላቶም ከርእዩ ካብ ዘይፈልጥዎም ሰባት ሕቶታት ከም ዝቐርበሎም ጭብጥታት ከም ዝረኸበ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ 'ቻይልድ ረስኵ ሰርቪስ' ሓቢሩ።
ኢሎን ጓል 12 ዓመት እንከላ እያ ዘይንቡር ምልክታት ጭንቀት ከተርኢ ጀሚራ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክፍላ ምሉእ መዓልቲ ተዓጽያ ትውዕል፤ ብስሩዕ ኣይትምገብን፥ ስድራኣ ነኸዘራርብዋ ዘቕረቡላ ዕድመ'ውን ሓደ ሓደ ግዜ ትሕሰሞ።
ወላዲት ኢሎን ዝኾነት ኦክሳና "ሓደ ሓደ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ሓጎስ ኣብ ገጻ ይንበብ፡ በይና ትስሕቅ፡ ምጽእ ኢላ ኸኣ ሑቑፍ ኣቢላ ትስዕመኒ" ትብል።
ኢሎን ኦክሳናን ሓቐኛ ስመን ኣይኮነን፡ ብጠለበን ባዕልና ዘጠመቕናየን ስም'ዩ።
ኦክሰና፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብውልቀሰብ ወይ'ውን ብጉጅለ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ንጓላ ዝበጸሓ ዘሰንብድ ነገራት እያ ኣውጊዓትና።
እቲ ክስትተ ኮቪድ-19 ኣብ ዩክረይን ቅድሚ ምጅማሩ እዩ ፈሊሙ።
"ደቅና ካብ 13 ክሳብ 19 ዓመት ኣብ ዝኾንሉ ናጽነቶም ናይ ምቅላስ ባህሪ ይርኣዮም'ዩ። ካብዚ ተበጊስና ንጓልና ዝተወሰነ ናጽነት ሂብናያ። ኣብ ትምህርታ ሕጉስቲ'ያ፡ ምሳና ብኹፉት መንፈስ'ያ ተዕልል፤ ካብዚ ተበጊስና ንዓኣ ዘይንኣምነሉ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበረናን"።
ሓደ እዋን ግን ኢሎና ዘይንቡር ባህሪ ከተማዕብል ከም ዝጀመረት ወላዲታ ከተስተብህል ጀሚራ፤ ናይ ሞባይል ምሓዝ 'ወልፊ' ከተማዕብል ጀሚራ።
"ንሞባይላ ካብዛ ኢዳ ኣይትፈልያን እያ፡ ንመን ምዃኑ ዘይንፈልጦ ሰብ ዋላ ኣብ ለይቲ ከይተረፈ ትጸሓሓፍ"።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ጥዕና ኢሎና ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወርድ ጀሚሩ።
ካብ ክፍላ ኣይትወጽእን፡ እንታይ ምዃና ዘርዚራ ከይነገረት ጽቡቕ ከም ዘየላ ጥራይ ንስድራኣ ክትሕብር ጀሚራ።
"እዚ ኹሉ ኣብ መጀመነርታ ሳምንታት ዕጽዋ ዩክይን'ዩ [ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ዕጽዋ]። ኣነን ብዓል ቤተይን ብሰንኪ ኮቪድ ስራሕ ስለ ዝዘሓለ ብዛዕባ ስራሕና ክንጭነቕ ንጓልና ኣቋልቦ ኣጉዲልናላ" ትብል።
ወሲኻ "ሓደ ግዜ እናበኸየት ጥምጥም ኢላትኒ፤ ዝኾነ ኣካላዊ መጉዳእቲዶ በጺሒኪ'ዩ ኢለያ። ኣይበጽሓንን፡ እንድዒ ኸኣ በጺሑኒ ይኸውን ኢላትኒ እናተነኽነኸት" ኢላ።
ኦክሳና፡ ውላዳ እንታይ ከም ዘጋጠማ ንኽትነግራ መዓልታት'ዩ ወሲድላ።
ኢሎና ብመንገዲ ኢንስታግራ ምስ ሓደ ዕድሚኡ ወዲ 15 ዓመት ምዃኑ ዘርኢ ምልኩዕ ወዲ ተላልያ።
እቲ ብኢንስታግራም ዝተላለየቶ ወዲ፡ ምልክዕቲ ምዃናን ምስ ዓበየት ሞዴል ክትከውን ዘኽእል ኣዝዩ ጽቡቕ ፍረ ገጽን ቅርጽን ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ይነግራ ነይሩ።
ደርፍታትን ቪድዮታትን ብኦንላይን ክለኣኣኹ ጀሚሮም።
በዚ ኢሎና ናይ ሓባር ሮቋሒ ከም ዘለዎም ክትኣምን ጀሚራ፤ ካብዚ ብምብጋስ ትሓብኣሉ ነገር ከም ዘይነበረ ንኣዲኣ ክትዝርዝረላ ጀሚራ።
ሃንደበት እቲ ብኢንላይን ዝተላለየቶ ወዲ ድሃይ ኣጥፊኡ፤ እንታይ ከም ዘጥፈኦን ከይተረድኣ በዲላቶ ከይትኸውን'ሞ ይቕሬታ ንምሕታት ድልውቲ ከም ዘላ ብጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲዳትሉ፡ ወይከ መልሲ።
ድሕሪ ክንደይይ ትጽቢት ግን ሓደ መዓልቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲዱ።
"ናይ ብሓቂ ተፍቕርኒ ኣይመስለንን'ዩ። ተፍቕርኒ እንተኾይንኪ ምሳይ ብኽፉት ኣዕልሊ፤ ብዓቢኡ ንዓይ ከምእተፍቅርኒ ዘርጋገጽ ነገር ክሓተኪ'የ ድልውቲ ዲኺ?" ዝብል መልእኽቲ'ዩ ሰዲድላ።
መጀመርታ ስእልታታን ጸኒሑ ኸኣ ብቪድዩ ምስላ ክትሰደሉ ሓቲትዋ፤ ኣይተማተአትን ሰዲዳትሉ።
"እቲ ንልደትኪ ዝተገዛኣልኪ ቢጃማ ጌርኪ ስእሊ ስደድለይ"፤ ሰዲዳትሉ።
ምስ ግዜ እቲ ጠለብ እናበዝሓን እናዓሞቐን ከይዱ፡ በብቁሩብ ዕርቃንኪ ኮንኪ ተሳኢልኪ ስደድለይ ኢልዋ፡ ሰዲዳትሉ።
ነብሳ እንተሓጸበት ክፋል ኣካላታ እናተናኸፈት ክትሰደሉ ሓቲትዋ፡ ሰዲዳትሉ።
ዝበላ እንዘይገይራ፡ ገንጨርጨር እዩ ዝብለላ፡ ዕላሎም ኸኣ ናብ ቋይቊ ይቅየር። ኢሎና ኸኣ ኣኾርየዮ ኢላ ናብታ ዝበላ መስመር ትኣቱ።
ብድሕሪ እዚ ወዲ ንነዊሕ ግዜ ድሃይ ኣጥፊኡ፡ ኢሎና ኸኣ ማዕሪኡ ቀልባ ክጠፍኣ ጀሚሩ።
ጸኒሑ ግን ካብ ብዙሓት ሰባት ናይ መፈራርሒ መልእኽትታት ክበጽሓ ጀሚሩ።
"ነቲ ዕርቃንኪ ዝተሰኣልክዮ ስእልታትን ቪድዮታን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክንዝርግሖ ኢና" ዝብልን፡ ኣብ ዩክረይን ዕርቃንካ ምስኣል ገበን ምዃኑን ክትእሰር ምዃናን መልእኽታት ብተደጋሚ ክብጽሓ ጀሚሩ።
እቲ መልእኽቲ ካብ ዝተፈለዩ ሰባት [ወይ ብዙሕ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳባት ዘለዎ ውልቀሰብ] እዩ ዝብጽሓ ነይሩ።
ኣብቲ መልእኽቲ ኣበይ ከምእትምሃርን ከምእትነብርን እንከይተረፈ'ዮም ዝሕብርዋ።
ኣዲኣ ንኢሎና እቲ መልእኽቲ ካብ ብዙሓት ሰባት ይመጽኣ ከም ዝነበረን እቶም ሰባት ንሓድሕዶም ዝፋለጡ ከም ዝኾኑ'ያ ትጥርጥር።
ሓደ ካብቶም መፈራርሒ መልእኽቲ ዝሰደላ ዝነበረ ሰብ፤ ብኣካል ክራኸቡ ከም ዝደልን ዝኾነ ሃስያ ከም ዘይወርዳን ሓቢርዋ።
ኣብ ከምዚ ደረጃ ምስ ተበጽሐ እየ ኢሎና ንኣዲኣ ሓቢራታ።
"ነቶም ሰባት ብኣካል ክትረኽቦም ኢላ እንተትኸይድ እንታይ ምስዓበ ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ጭንቕ'ዩ ዝብለኒ" ትብል ኦክሳና።
ግዳይ ማዕበል ማሕራዊ ሚድያ
ኢሎና ግዳይ ማሕበራዎ ሚድያ'ያ።
ኩሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝምስረት ርክባት ኣይቁንዑን'ዩ ክብሃል እኳ ዘይክኣል እንተኾነ፡ እቶም ብማሕበራዊ ሚድያ ሰባት ከጥቅዑ ዝደልዩ ሰባት ልኡማት፣ ፈቃራትን ቅኑዓትን ኮይኖም'ዮም ዝቐርቡኻ።
ከም ኢንስታግራም፤ፌስቡክ፤ ቲክቶክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታን ብዝምባለ፡ ብሞያ፤ ብጾታን ብኸባብን ዝቀራረቡና ሰባት ከራኽበና ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ኣብ ኢድ ገበርቲ እከይ ከውድቐና ከም ዝኽእል ኸኣ ኢሎና ሓንቲ ኣብነት እያ።
ኣብ እዋን ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ ዕጽዋታት ሚልዮናት ሰባት ዝያዳ ሰዓታት ኣብ ኢንተርኔት ከሕልፍዎ ጀሚሮም።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ትምህርቲ ብኦንላይን ኮይኑ፤ ኣብ ሞባይላትን ኣብ ኮምፒራትን ዝግበር ጸወታታት ተጠቀምቱ በዚሖም።
ብኣካል ተራኺቦም ዘዕልለሉ ዝነበሩ መማህርቲ፣ መሳርሕቲ፣ ደቂ ገዛውቲ ርክባቶም ብማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ።
እቶም ኣብ ገዛ ዝውዕሉ ትሕቲ ዕድመ'ውን ኣብ ገዛ ምስ ተዓጸዉ፡ ምውዓሎም ምስ ሞባይላት ከም ዝተቐየረ ዝሕበር እቲ መጽናዕቲ፡ እቶም ክፉእን ጽቡቕን ክፈልዩ ዕድሙኦም ዝድርቶም ህጻናትን ኮተቴን ብቀሊሉ ክታተሉ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ዩክረይን ዝርከብ 'ቻይልድ ረስኵ ሰርቪስ' ዝተባህለ ትካል ገበርቲ ሰናይ፡ ኣብ ዩክረይን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 17 ዓመቶም ልዕሊ 7000 ህጻናት ቃለ መሕተት ከም ዝገበረሎም'ዩ ዝሕብር።
ብመስረት እቲ መጽናዕቲ፡ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ካብቶም ህጻናት ዕርቃኖም ኮይኖም ክስኣሉ ሕቶ ቀሪብሎም ከምዝፈልጥ ቃሎም ሂቦም።
ላዕለወይቲ ሓላፊት እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ኦሌና ካፕራልስካ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ 'ዘሰንብ'ዩ' ድሕሪ ምባል ብፍላይ ኣብ ክሊ ዕድመ 10 ክሳብ 17 ኣብ ዝርከቡ ህጻናት ኣካላቶም እናተናኸፉ ቪድዩ ክሰኣሉ ይሕተቱ ምንባሮም ትገልጽ።
"ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ፡ ፍርቂ ካብቶም ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ህጻናት ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበሩን፤ዋላ ንኣባላት ስድርኦም። ህጻናት ዝሃስዮምን ዘይሃስዮምን ስለ ዘይፈልዩ፡ ወለድን ኣለይትን እዚ ናይ መጽናዕትና ውጽኢት ገለ ትምህርቲ ከቅስሞም ይኽእል'ዩ" ትብል።
'ብዙም' ዝግበር ምፍርራሓት
ዙም ሓደ ካብ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽን] ኮይኑ ብዙሕ ሰብ ማዕዶ ንማዕዶ ኮይኑ ኣኼባ ንምክያድ ነዚ መተግብሪ እዚ ይመርጽ።
ምስ ክስተት ኮሮናቫይረስ፡ ትምህርቲ ብኦንላይን ምስ ኮነ ኸኣ ኣብያተ ትምህቲ ዙም ተጠቒመን ተማሃሮአን ይምህራ።
ተማሃሮ ብዙም'ውን ምፍርራሓት የጋጥሞም ከም ዘሎ'ዮም ዝገልጹ።
ሓላፊ ፖሊስ ክፍሊ ሳይበር ዩክረይን ካፕተይን ሮማን ሾካ "ብዙም ዝግበር ምፍራሓትን ብዙሕ እዩ፡ ተወሳኺ መርትዖታትን ስእልን ከይተሰነዮ ግን ነቶም ገበነኛታት ምርካብ ዘጸግም እዩ" ይብል።
ወዳ ንማርያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ተማሃራይ ሓሙሻይ ክፍሊ'ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ዙም እናተመሃረ እንከሎ ካብ ዘይፈልጦም ሰባት [ናብቲ ናይ ዙም ክላስ ነቲ ኮድ ረኺቦም ዝኣተዉ] ብዙሕ ግዜ 'ዘየድልዩ' መልእኽትታት ከም ዝመጽኦ'ያ ትሕብር።
መጀመርታ፡ ደቂ ክፍሉ ዘይኮነ ሰለስተ ሰባት ናብቲ ብዙም ዝውሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ብምእታው ኣስማት ናይቶም ዝምሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ብዓውታ እናጸውዑ 'ዘነውር ዘረባታት' ክዛረቡ ጀሚሮም።
ካልእ ግዜ'ውን ተማሃሮ እናተማሃሩ እንከለዉ ሓደ ጸሊቑ ናብቲ ብዙም ዝውሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ዝኣተወ ሰብ ቪድዮ ናይ ግብረ ጽዩፍ ወሊዑ፡ መምህሮምን እቶም ተማሃሮን ከም ዝሰንበዱ ወዲ 11 ዓመት ወዳ ንማርያ ነጊርዋ።
ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ኣንድሪ ፕራቱስ፡ ሓደ ካብቶም ተማሃሮ መፍትሕ [ፓስዎርድ] ናይቲ ዙም ንሓደ ካብቶም ገበርቲ እከይ እንተስ ብፍታው ወይ'ውን ተገዲዱ ሂብዎም ክኸውን ከም ዝክእል እዩ ንፖሊስ ሓቢሩ።
ማሕበራዊ ሚድያታት ዝያዳ ድሕነቱ ዝተሓለወ ንኽኸውን
ማርያ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወዳን መማህርቱን ዘጋጠመ ነገር ዋላ እኳ ዝኽሰስ ኣካል ኣይሃሉን ክሲ ኣይመስረትን ኣዝዩ ዓቢ ገበን ምዃኑ እያ ትሕብር።
ኣብ ናይ ኢሎና ጉዳይ እንተወሲድና'ውን፡ ኣብ ዩክረይን ንትሕቲ ዕድመ ግብረ ጽዩፍ ምርኣይ ገብን ንኽኸውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብወግዒ ጸዲቑ ኣሎ።
ኣዲኣ ንኢሎና "ቁጽሪ ቴሎፎና ቀይርናላ ኣለና፡ ኩሉ ትጥቀመሉ ዝነበረት ሒሳባት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ደምሲስናዩ ኢና። እንተኾነ ሕጂ'ውን ናብ ደገ ምውጻእ ኣዝዩ'ዩ ዘፍርሓ" ትብል።
"በቲ ዘጋጠማ ኣዝያ እያ ትሽቑረርን ትሓፍርን፡ ኣብ መጻኢ ህይወታን ኣብ ሰብ ዘላዋ እምነትን ብኸቢድ ከይጽሎን ኸኣ ዓቢ ስግኣት ኣለኒ" ተስዕብ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ ዓለምና ዝተፈጸመ ነገር ናብ መላእ ዓለም ንኽላባዕ ግዜ ኣይወስደሉን'ዩ።
ዶክተር ኦሉና ናጉላ ክኢላ ምክንኻን ኣእምሮ ህጻናት እያ።
እዚ ከምዚ ናይ ኢሎና ነገር ኸኣ "ምዝባዕ ድቃስ፣ ስንባደ፣ ነብሰ ተገልሎን ክሳብ ነብስኻ ምህሳይ ዝበጽሕ ነገራት ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ብምባል ኣቃልቦ ዝደሊ ነገር ምዃኑ ትገልጽ።
መን'ዩ ተሓታቲ?
ከም ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ቲክቶክ፣ ዩቱዩብን ካልኦትን ማሕበራዊ ሚድያታት ንድሕነት ተጠቐምተን ከም ዝጥንቀቓ'የን ዝሕብራ።
ንህጻናት ዝጣበቓ ትካላት ግን ድሕነት ህጻናት ንምሕላው ክንድቲ ዝግባእ ከም ዘይተሰርሐ'የን ዝገልጻ።
ሓደ ካብቲ ኣይተሰረሓሉን ዝብሃል ነገር ኸኣ ገደብ ዕድመ ተጠቐምቲ እዩ።
ዝበዝሓ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ተጠቐምቲ እንተወሓደ ልዕሊ 13 ዓመቶም ክኾኑ ከም ዘለዎም እየን ዝሕብራን ኣብ ሕግን ኣቐሚጠን ዘለዋን።
ኣብ ዩክረይን ዝርከብ 'ቻይልድ ረስኵ ሰርቪስ' ዝገበሮ መጽናዕቲ ግን ኣብ ዩክረይ ካብቶም ቃለ መሕተት ዝገበረሎም ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመቶም ህጻናት ኣስታት 33 ሚኢታዊት ዕድሚኦም ወሲኾም ብምምዝጋብ ወይ'ውን ንዓበይቲ ኣውጽኡልና ኢሎም ብሽሞም ሒሳብ [ኣካውንት] ናይ ቲክቶክ ከም ዘለዎም'ዩ ዝሕብር።
ወለዲ ወይ ኣለይቲ እንታይ'ዮም ክገብሩ ዘለዎም?
ኣብ ዝብዝሓ ሃገራት ምስዚ ዘሎ ዕጽዋ ናይ ኮሮናቫይረስ ህጻናት ዝበዝሐ ግዝኦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከሕልፍዎ ከም ዝኽእሉ ዝሰሓት ኣይኮነን።
እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ መሓዙቶም ንኽራኸቡ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ዘይስሓት እኳ እንተኾነ፡ እኩል ምኽትታል ክግበረሎም ከም ዘለዎ ግን ናይ ኢሎና እኹል ኣብነት እዩ።
ወለዲ ወይ ኣለይቲ ንደቆም እንታይ ዓይነት 'ጌም' ይጻወቱ ከም ዘለዉ ክሓትዎም፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝርእይዎ መርበብ ሓበሬታ ክፍትሽዎ፣ ምስ መን ተጸሓሒፎም ክፈልጡ ኣለዎም።