እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብዝተልዓለ ባርዕ 10 ህጻናት ሞይቶም
ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ኣብ መሕረሲ ክፍሊ ዝነበሩ 10 ህጻናት ሞይቶም።
እቲ ሓደጋ ቀዳም ወጋሕታ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሆስፒታል ነቶም ህጻናት ከድሕኑ እኳ እንተተጓየዩ፡ እቶም ዓሰርተ ግን በቲ ባርዕ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ ናብ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጸሖም ግን፡ ሸውዓተ ህጻናት ካብ’ቲ ባርዕ ምድሓን ተኻኢሉ እዩ።
እቲ ባርዕ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ህንዲ፡ ማሃራሽትራ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት እዩ ኣጋጢሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ክስተት “ልቢ ዘድሚ ዘሕዝን ፍጻመ” ክብል ገሊጽዎ።
መንቀሊ ናይ’ቲ ባርዕ እንታይ ከምዝኾነ ዛጊድ ኣይተፈልጠን፡ ምጽራይ ድማ ተጀሚሩ’ሎ።
ናይ’ቲ ከባቢ ሚድያታት ከምዝበልዎ፡ ኣብ እዋን እቲ ባርዕ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሕርሲ ክፍሊ ተደጋጋሚ ነትጉታት ብምንባሩ ንምድሓን ህይወት ንዝግበር ጻዕርታት ዓንቂፉዎ እዩ።
ኣብ ስራሕ ዝነበረት ሓንቲ ነርስ፡ ካብ’ቲ ዝተወልዱ ህጻናት ዝእለይሉ ክፍሊ ትኪ ክወጽእ ምስረኣየት ንሰብመዚ ከምዝሓበረት ተዛሪባ።
“ሰብ መዚ ናይ’ቲ ሆስፒታል ሸውዓተ ህጻናት ኣድሒኖም እዮም፡ 10 ህጻናት ግን ኣብ’ዚ ዘሕዝን ክስተት ሞይቶም” ክብል ካልእ ሓኪም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ድማ፡ ንስድራ እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ኣሚት ሻህ ብወገኑ፡ በቲ ፍጻመ “ቃላት ካብ ዝገልጽዎ ንላዕሊ ከምዝሓዘነ” ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።