ለንደን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ምህላው ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ

ከንቲባ ከተማ ለንደን፡ ሳዲቕ ካሃን፡ ኣብታ ከተማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ካብ ቁጽጽር ወጻኢ" ኮይኑ ምህላው ብምግላጽ "ዓብዪ ሓደጋ" ኣጋጢሙ ምህላዉ ኣዊጁ።

ኣብ'ታ ከተማ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ 100 ሽሕ ሰባት ልዕሊ 1000 ኮይኑ ምህላው፡ ጸብጻባት ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ የርእይ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ገምጋም ቤትጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ግና ካብ 30 ነበርቲ ለንደን ሓደ ብኮሮናቫይረስ ተለኪፉ ምህላው ይገልጽ።

ሚስተር ካሃን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ 20 ሰባት 1 ኮሮናቫይረስ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

በዚ ድማ ኣብታ ከተማ ከምቲ ኣብ እዋን ሓደጋ ባርዕ ግሪንፈል ታወርን (ሰነ 2017) ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ድልድል ዌስትሚኒስተርን ድልድል ለንደንን ዝተገብረ፡ 'እዋን ዓብዪ ሓደጋ' ተደንጊጉ ኣሎ።

'እዋን ዓብዪ ሓደጋ' ምእዋጅ ማለት፡ ብሓደ ወይ'ውን ኩለን ህጹጽ (emergency) ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ወይ ድማ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዝኾነ ፍሉይ ምዕረያ ዝጠልብ ኩነት ተግባራዊ ምግባር ማለት እዩ።

እዚ ማለት ከኣ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ሆስፒታላት እቲ ንቡር ስራሓቱ ከይፍጽም ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ 7000 ኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ይሕከሙ ምህላዎም እቲ ከንቲባ ገሊጹ።

እዚ ምስ ዝሓለፈ ልዑል ቁጽሪ እቲ ለበዳ ዝተመዝገበሉ ወርሒ ሚያዝያ ክወዳደር እንከሎ፡ ብ35% ከም ዝወሰኸ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ሆስፒታል ሮያል ለንደን ኣባል ክፍሊ መዝገብ ዶክተር ሳማንታ ባት-ራውዳን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ናይ ብሓቂ ፈቲንና፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ህዝቢ ኣብ እዋን ልደት ክጥንቀቕ ለሚኖም። ሕጂ ኣብ ለንደን ካብ 30 ሰባት 1 ኮቪድ ኣለዎ፤ ክፍልታት ጽዑቕ ክንክን ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ኣዝየ ጉህየ ኣለኹ" ኢሉ።