'ዘሕዝን' ዛንታ ኣብ ሆስፒታል ምስ ውላዳ እናተኣለየት ከላ ዝሞተት ኣደ

ነታ ስእሊ ዘሰኒ ጽሑፍ ዘይረኣየ ሰብ ምናልባት ቤተሰብ'ዶ ይኾና? ወይ መሓዙት? ወይ እውን ኣብ ሕክምና ጎድኒ ንጎድኒ ዝደቀሳ ሕሙማት ኢሉ ክሓስብ ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን እዘን ሕሙማት ኣብ መወዳእትኡስ ሓወያ'ዶ ሓለፋ እውን ክብል ይኽእል።

እታ ስእሊ ብሕማም ኮቪድ ናይ ዝተተንከፋ ኣደን ጓልን ስእሊ እያ። እታ ጓል 76 ዓመት ነባሪት ሌስተር ኢንግላንድ ኣደ፡ ማሪያ ሪኮ ትበሃል። እታ ካልአይታ ከኣ ጓላ ኣናበል ሻርማ እያ።

ኣደን ጓልን ክልቲአን ብኮቪድ ተለኺፈን ብሓደ መዓልቲ እየን ንሆስፒታል ኣትየን። ሕክምናዊ ክንክን ክረኽባ ከኣ ጎድኒ ንጎድኒ ደቂሰን። እታ ኣደ ኣይከኣለትን ሰናቡኣ በቲ ቫይረስ ተጠቒዑ ሕጽረት ምስትንፋስ ኣጋጢሙዋ። ሻርማ ጓላ ግን ነቲ ቫይረስ መኪታቶ።

ኣብ መወዳእታ እታ ብሓገዝ ኦክሲጅን እተተንፍስ ዝነበረት ኣደ ንመጨረሽታ ግዜ ንደቃ ክትዛረበን ስለዝደለየት እዚ ኣብ ኣፈይ ዘሎ ማስክ እለዩለይ ኢላቶም ንሓካይማ።

"ኣይፋልክን እቲ ኦክሲጅን እንተኣሊናልኪ ነዊሕ ኣይክትጸንሕን ኢኺ" ኢሎሙዋ። " እወ ፈሊጠ ኣለኹ፡ ኣብዛ ዓለም ምንባር ይኣኽለኒ: እለዩለይ ጥራሕ" ኢላቶም። ምስ ኣለዩላ ነቲ ኮቪድ ሓሚማ ኣብ ጎድና ደቂሳ ዝነበረት ጓላ፡ "ንስኺ ዝጽበዩኺ ናእሽቱ ቖልዑ ስለዘለውኺ ቃልስኺ ቀጽሊ፡ ኣነ ግን ደኺመ ኣለኹ ከዕርፍ እየ" ኢላታ።

ወላዲታ ድሕሪ ምዕራፋ እያ እምበኣር ኣናበል ሻርማ ህዝቢ ግቡእ ጥንቃቐ ንኺገብር ብምሕላን ስእላን ስእሊ ወላዲታን ናብ ህዝቢ ዝዘርገሐቶ።

ሻርማ ነቲ እዋን "ኣዝዩ ልቢ ዝሰብር ዘሕዝን እዋን'ዩ" ክትብል ትገልጾ።

ኣዲኣ ንበይና ብዘይምማታ ግን ሕጉስ ምዃና ትገልጽ። ሕጂ ስእሊ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ናይ ወላዲታ፡ ንኣፍልጦን ንቕሓት መኸተ ኮቪድ ናብ ህዝቢ ዘርጊሓቶ።

"ምጽንናዕ" ኣንጻር ኮቮድ ዝግበር መኸተን ኣፍልጦን

ሓፍታ ሱዛን እውን መከላኸሊ ኮቪድ ገይራ ክትርኢ ተፈቒዱላ። ክሳብ ሕልፈት ወላዲትና ከኣ ኢዳ ሒዝና ተሰናቢትናያ። ክትመውት እንከላ ምስኣ ስለዝነበርና ናይ ብሓቂ ሩፍታ ሂቡኒ - እቲ ዕድል ብምርካበይ ሕጉስቲ እየ ትብል።

ወይዘሪ ሪኮ ምስ ጓላን ሰብኣይ ጓላን ሰለስተ ደቆምን ኖህ (10) ኢሳቕ (12) ያቆብ (22) እያ ትነብር ነይራ።

ሻርማ: ሓደ ካብ ደቃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓሚሙ ድሕሪ ምምጻእ ናብ መላእ እታ ስድራ ከምዝዘርገሖ እያ ትግምት። ንኹሉ ህዝቢ ከኣ ኣዝዩ ክጥንቀቕ ከምዘለዎ ክመክርን ክሕብርን እደሊ ከኣ ትብል።

ኮሮናቫይረስ "ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዓቢ ስግኣት" ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ሕክምና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤንኤችኤስ) ብዋሕዚ ኮቪድ ከይርመስ ብዝተኻእለ መጠን ጸቕጢ ኮቪድ ንኽጻወር ምእንቲ ኣብታ ሃገር ዕጽዋ ተኣዊጁ ኣሎ።

ብምሉኣ እታ ስድራ-ቤት ምስ ደቆም ኮቪድ ፖዚቲቭ ኮይኖም። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ሻርማን ኣዲኣን ኣብ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ናብ ሮያል ኢንፊርማሪ ሆስፒታል ሌስተር ኣትየን ወይዘሮ ሪኮ ከኣ ብሓደ ሕዳር ዓሪፋ። ሬስኣ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተቐብረን።

ወይዘሮ ሪኮ፡ እቲ ቫይረስ ምስ ሓዛ ሰናቡኣ ኣዝዩ ስለዝተዳኸመ፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ድሮ ተረዲኡዋ ነይሩ እዩ። ኣብ ገዛ እንከላ እውን እያ ሓገዝ ኦክሲጂን ክትወስድ ጸኒሓ። ኣብ ሆስፒታል እውን በርቲዑዋ እምበር ኣይሓሻን። ስለዝኾነ ከአ እያ እቲ ኦክሲጂን እለዩለይ እሞ ከዕርፍ ብምባል ንደቃ ተፋንያ ዓሪፋ።

ኩሎም ደቃ ከኣ ንዓባዮም "ናይ ብሓቂ ትድነቕ ኣደ" ምንባራ እዮም ዝገልጹ።