እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ባዕላ ዘፍረየቶ ሓዊሱ 2 ክታበት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣጽዲቓ
ህንዲ ኣብ ሃገራ ንዝፈረየ ሓዊሱ ክልተ ዓይነታት ክተበታት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ፍቓድ ከምዝሃበት ተገሊጹ።
በዓል ስልጣን ቁጽጽር ኣፋውስ ህንዲ ነቲ ብዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ኣስትራዜኔካን ኣብታ ሃገር ብኩባንያ ባሃራት ባዮቴክ ዝተዳለወን ዓይነታት ክታበት ፍቓድ ሂቡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ናሬንድራ ሞዲ “ወሳኒ መቐይሮ ነጥቢ” ክብል ነቲ ውሳነ ገሊጽዎ።
ህንዲ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብቐዳምነት ክኽተቡ ኣብ ዝሓዘቶ ትልሚ ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ነቶም ክታበታት ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።
ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይ እትስራዕ ህንዲ፡ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 10.3 ሚልዮን መልከፍቲ ኣመዝጊባ’ላ። ኣስታት 150 ሽሕ ድማ ሞይቶም።
ኣብታ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወፍሪ ክታበት ንዝወፍሩ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰብሞያ ጥዕና ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ስልጠና ምሃብ ከምዝጀመረት ተፈሊጡ።
ነቶም ክታበታት ዘዳለዉ ክልቲኦም ኩባንያታት ፍርያቶም ኣብ ረብሓ ክውዕል ውሑስ ምዃኑ ዘረድእ ሰነድ ከምዘቕረቡ በዓል መዚ ቁጽጽር ኣፋውስ እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ።
እንተኾነ ገለ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ዶኳትርን ግን እቲ መስርሕ ምጽዳቕ ኣፋውስ ግልጽነት ከምዘይነበሮ’ዮም ዝነቕፍዎ።
እቲ ብኦክስፎርድ ዝተዳለወ ክታበት ኣስትራዜኔካ ኣብ ህንዲ ብዝርከብ ሴረም ብዝተበሃለ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ትካል’ዩ ክፈርይ። እቲ ትካል ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኣፍራዪ ክታበት ምዃኑ ድማ ይግለጽ።
ኣብ ወርሒ ልዕሊ 50 ሚልዮን ክታበት ከምዘፍርይ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብታ ሃገር ዝተመሃዘን ዝፈርይን ክታበት ግን ክሳብ ክንደይ ዕውት ክኸውን ከምዝኽል እኹል መረዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ከምዝረኸበ’ዩ ዝሕበር።
ብስፍሓት ፈተነታት ክካየደሉ ከምዝግባእ እንተተሓበረ’ኳ ዋና ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ቁጽጽር ኣፋውስ ዝኾነ ሶማኒ ግን “ውሑስን ዱልዱል ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክተጥርይ ዝሕግዝ” ክብል ነቲ ብባሃራት ባዮቴክስ ዝፈርይ ክታበት ዝገልጾ።