መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ኒኩሌራዊ መደባቱ ከሐይል ምዃኑ ገሊጹ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣሜሪካ “ዝዓበየት ጸላኢት” ሃገሩ ምዃና ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ፒዮንግያንግ ዘለዋ ፖሊሲ ክትቕይር ትጽቢት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብቲ ሳሕቲ ዝጋባእ ዋዕላ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኒኩሌራዊ ኣጽዋራታን ወተሃደራዊ ዓቕማን ክተደንፍዕ ምዃና ተመባጺዑ።

ኒኩሌራዊ 'ሳብማሪን' ናይ ምህናጽ ውጥን ዳርጋ ኣብ ምዝዛሙ በጺሑ ምህላው’ውን ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ቃለ ማሕላ ንምፍጻም ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ርእይቶ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ልዕሊ ሓድሽ መንግስቲ ኣሜሪካ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝተገብረ እዩ።

ኪም ምስቲ ስልጣኑ ዝሓድግ ዘሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጥቡቕ ዝምድና እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ዛዕባ ኒኩሌራዊ ፕሮግራም ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ርክባት ብዙሕ ፍረ ኣይተረኽቦን።

እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ተጻባእቲ ሓይልታት” ኣንጻር ሰሜን ኮርያ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ውጥናት እንተዘይነብሮም፡ ፒዮንግያንግ ክትጥቀመሎም ድልየት ኣይነበራን ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣሜሪካ “ዝዓበየ መሰናክል ናይ ሰውራናን ዝዓበየት ጸላኢትናን እያ. . . መን ኣብ ስልጣን ኣሎ ብዘየገድስ፡ እቲ ሓቀኛ ጸረ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፖሊሲኣ ፈጺሙ ኣይልወጥን እዩ” ምባሉ ማዕከን ዜና ኬሲኤንኤ ጸብጺቡ።

ሰሜን ኮርያ ጽኑዕ ቁጠባዊ እገዳታት እኳ እንተተነብረላ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ናይ ምፍራይ ውጥና ኣበርቲዓ እያ ቀጺላቶ።

ኪም እቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ቁጠባዊ ትልሙ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ጽላታት ሽትኡ ከም ዘይሃረመ ኣብ ፈለማ ናይ'ዚ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰሜን ኮርያ፡ ወላ'ኳ ዝኾነ መልከፍቲ እንተዘይመዝገበት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚራ ዶባታ ዓጽያ እያ።

ምዕጻው እቲ ዶብ ካብ ጎረቤታን መሻርኽታን ዝኾነት ቻይና ነጺልዋ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ንግዲ ብ80% ኣንቆልቊሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ህቦብላን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ኣዝርእትን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ እ።