እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብ ዶብ ተታዅሰን
ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከብ፡ ካብ ሰራዊት ነጻ ኣብ ዝኾነ ዞባ ተታዅሰን።
ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፤ ኣብ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ቼርዎን፤ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተተኮሰ ጠያይቲ ንነቑጣ ሓለዋ ደቡብ ኮርያ ወቒዑ።
"ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ክልተ ዙርያ ጠያይቲ ተኲሳ፡ ብመሰረት እቲ መምርሒ ድማ መጠንቀቕታ'ውን ሂባ" ኢሉ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብወገን ደቡብ ኮርያ፡ ዝሞተ ይኹን ዝቖሰለ ከምዘሎ ኣይተገለጸን።
ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ይጽዕሩ ምህላዎም'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።
መንቀሊ ናይቲ ተዅሲ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን።
ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ብቐጥታ ናብ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ክትኲሱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ካብ ሰራዊት ነጻ ዝኾነ ዞባ፡ ድሕሪ ናይ 1953 ኩናት ክልቲአን ኮርያ ዝቖመ ኮይኑ፡ ንክልቲኤን ሃገራት ዝፈሊ ናጻ ዞባ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ዕጥቅን ዘለዎ ዶባት ናብ ሰላማዊ ዞባ ንምቕያር ብዙሕ ፅዒሩ እዩ።
ኣብ መስከረም 2018፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ኪም ጆን ኡንን ሙን ጄ-ኢን ኣብ ፒዮንግያንግ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ ካብ ዝበጽሕዎም ቀንዲ ስምምዓት እቲ ሓደ፡ ኣብ ዶባት ወጥርን ምትፍናንን ምትራፍ ዝብል ነይሩ።
እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምትፍናን፤ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ህዝቢ ምስተቐልቀለ ድሕሪ 1 መዓልቲ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።