ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መራሒኡ ከምዝተቐትለ ዘረጋግጽ ቪድዮ ኣውጺኡ

ኣቡባከር ሼካው

ምንጪ ስእሊ, AFP

ናይጀርያዊ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መራሒኡ ከምዝተቐትለ ዘረጋግጽ ቪድዮ ኣውጺኡ። እቲ ቦኮሓራም ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ኣቡባከር ሸኩ ብሂወት ከምዘየለ ዝሕብር'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ሓደ ካብ ቦኮሓራም ዝተፈንጨለ ጉጅለ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ ነይሩ። መንግስቲ ናይጀርያ ግን ብዛዕባ'ቲ ዝወጸ ሓበሬታ'ውን ዝሃቦ መግለጺ የለን።

እቲ ቪድዮ ነቲ ኣቡባከር ሻኩ ብርግጽ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝያዳ መረጋገጺ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ሰለስተ ደቓይቕ ንውሓት ዘለዎ ቪድዮ፡ ሓደ ጻዕዳ ክዳን ምስ ጸሊም ዕማመት ዝለበሰ ሰብኣይ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ብርክት ዝበሉ ብረት ምስ ጠያይቲ ብዝዓጠቑ ሰባት ተኸቢቡ ብቋንቋ ዓረብ ጽሑፍ ከንብብ ይርአ።

ናይ ቦኮሓራም ጸሊም ባንዴራ'ውን ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ኮየኑ፡ እቲ ቦታ ገጠር ይመስል።

እቲ ነቲ ጽሑፍ ዘንብብ ሰብኣይ፡ እቲ ብሳሃላባ ዝፍለጥ ኣዛዚ ቦኮሓራም ባካሩ ሞዱ ምዃኑ ይንገር።

ንሱ ሓድሽ መራሒ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ጸጥታ ይግምቱ።

ብዙሓት፡ ሸኩ እንተሞይቱ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቦኮሓራምን ካብኡ ተፈንጪሉ ዝወጸአ እስላማዊ ጉጅለ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ደው ክብል ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ንቦኮሓራም ዝመርሐ ሸኩ፡ ብፍላይ በቲ ኣብ 2014 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ቺቦክ ዘካየዶ ጭውያ 200 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ይፍለጥ።

ቦኮሓራም ካብቲ ዝተመስረተሉ 2009 ጀሚሩ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ጫድ፡ ኒጀርን ካሜሩንን መጥቃዕታት ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ናይጀርያ በቲ ጎንጺ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክፈናቐሉ እንከለው፡ ብውሕዱ 30,000 ሞይቶም ኣለው።