መራሒ ቦኮ ሓራም ኣቡባከር ሼካው ነፍሰ-ቅትለት ከምዝፈፀመ ተገሊፁ

ኣቡባከር ሼካው

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሒ ናይቲ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣቡባከር ሼካው ንርእሱ ከምዝቐተለ፡ መነሓንሕቲ ቦካሓራም ዝኾነ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ገሊፁ።

ማዕኸናት ዜና ከምዝረኸብዎ፡ እቲ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ብዝብል ዝፍለጥ ዝዘርሖ ቅዳሕ ድምፂ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ጉጅለታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣቡባከር ሼካው ፈንጂ ብምፍንጃር ንባዕሉ ቀቲሉ ኢሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣቡባከር ሼካው ከምዝሞተ ተገሊፁ ኔሩ፤ ቅድሚኡ'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ተቐቲሉ ተባሂሉ ተወሪዩ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንትኾነ፡ ሞት ኣቡባከር ሼካው ብበኮ ሓራም ኮነ ብመንግስቲ ናይጄርያ ኣይተረጋገፀን።

እቲ ቅዳሕ ድምፂ እንታይ'ዩ ዝብል?

ኣብቲ መዓዝ ከምዝተቐድሐ ዘይፍለጥ ድምጺ፡ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቡ ሙሳብ ኣል-ባርናዊ ከምዝኾነ ዝእመን "ሼካው ብቕፅበት ፈንጂ ብምፍንጃር ንርእሱ ቀቲሉ" ኢሉ።

ተቓለስቲ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ነቲ ኣርሓ ኩናት ዝኾነ ኣቡባከር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንክጠዓስን ናብኦም ክፅንበርን ዕድል ሂቦሞ ከምዝነበሩ ኣል-ባርናዊ ገሊፁ።

"ሼካው ኣብ መሬት ካብ ዝሓስር፡ ኣብቲ ክንዮ ህይወት (ህይወት ድሕሪ ሞት) ክሓስር እዩ መሪፁ" ኢሉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣቡባከር ሼካው ሞይቱ ዝብሉ ሓበሬታት ኣብ ዝወፅሉ ግዘ፡ ሰራዊት ምክልኻል ናይጄርያ ከምዝምርምሮ ምግላፁ ይዝከር።

ወሃቢቃል እቲ ሰራዊት ብርጋዴር ጀነራል ሞሓመድ ዬርማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሰራዊት እንታይ ከምዘጋጠመ ይምርምር ኔሩ፡ እንተኾነ ዘየማትእ መረጋገፂ ክሳብ ዝርከብ ዛዕባ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሉ።

ሓደ ምስ ትካላት ፀጥታ ርክብ ዘለዎ ጋዜጠኛ ብወገኑ፡ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ፡ ኣብ ዱር ሳምቢሳ ንዝነበረ ክንፊ ቦካሓራም ድሕሪ ምጥቅዑ ሼካው ከምዝሞተ ገሊፁ።

ኣቡባከር ሼካው ቅድሚ ሕዚ ዋላ'ኳ ብዙሕ ግዘ ከምዝሞተ እንተተገለፀ፡ ብህይወት ከምዘሎ ደሃይ ብምግባር ከረጋግፅ ፀኒሑ እዩ።

ኣቡባከር ሼካው መን'ዩ?

ኣብ 2009 መስራቲ ቦካሓራም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እንከሎ ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣቡባከር ሼካው፡ ንጉጅለ ቦካሓራም ብምልዋጥ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንኸካይድ ኣኽኢልዎ እዩ።

ቦካሓራም ብሼካው እናተምርሐ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ምስባር ብተወሳኺ፡ ጭውያታትን ነትጉታትን ፈፂሙ እዩ።

ኣብ 2014 ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሸሪዓ ዝመሓደር እስላማዊ ግዝኣት ንምፍጣር፡ ንከተማታት ክቆፃፀር ጀሚሩ።

እቲ ኣብ 40ታት ዕድመ ከምዝርከብ ዝእመን ኣቡባከር ሼካው፡ ከም ኦሳማ ቢንላደን፡ ነቲ ደማዊ ጂሃዳዊ ጎስጓስ ናይ ፕሮፖጋንዳ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምዝርጋሕ ደጊፍዎ።

ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ከምቲ ደርሆን ኣባጊዕን ዝሓርድ፡ ምቕታል የሕጉሰኒ እዩ" ኢሉ ኔሩ።

ኣቡባከር ሼካው ንቦካሓራም ምምራሕ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

ኣብ 2014 እቲ ጉጅለ ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ብኣማኢት ዝቑፀራ ተምሃሮ ደቂኣንስትዮ ቺቦክ ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ስም ቦካሓራም ገኒኑ፤ #ኣዋልድና መልስወን (BringBackOurGirls) ዝብል ጎስጓስ ክካየድ'ውን ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብቲ እዋን ተጨውየን ካብ ሞንጎ ዝተወሰዳ ተምሃሮ፡ መብዛሕትአን ደሃየን ኣይተረኸበን።

ንመራሒ ቦካሓራም ኣቡባከር ሼካው "ዓለማዊ ኣሽባሪ" ብዝብል ዝሰመየቶ ኣሜሪካ'ውን፡ ዘለዎ ንዝሕብር ኣካል ሸውዓተ ሚልየን ዳላር ከምትሽልም ኣዊጃ ኔራ።

ናይ ሼካው ኣጀንዳ ኣኽራሪ ምዃኑን ኣብ እስላማዊ ግዝኣት (ኣይኤስ) ተቐባልነት ምስኣኑን ስዒቡ፡ ኣብ 2016፡ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ካብቲ ጉጅለ ተነፂሉ ተመስሪቱ።

ዕጫ ቦካሓራም?

ሞት ኣቡባከር ሼካው ምርግጋፅ፡ መወዳእታ ቦካሓራም እዩ ምባል ከምዘይከኣል እዮም፡ ተንተንቲ ዝገልፁ።

እስላማዊ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ካብቲ ጉጅለ ብምንፃል ንቦካሓራም ስዒቡ ዓብላሊ ዓማፂ ኮይኑ እዩ።

ገለ ተንተንቲ ድማ፡ ሞት ኣቡባከር ሼካው፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ጉጅለ ዝዓረገ ምውጣጥ ክገትእን፡ እስላማዊ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ድማ ንተዋጋእቲ ቦካሓራም ክወስድን ዘኽእል'ዩ ይብሉ።