ንቦኮሓራም “ይምውሉ ነይሮም" ዝተብሃሉ ናይጄርያውያን፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኣሲሮም

ዕጡቓት ቦኮ ሓራመ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንእስላማዊ ጉጅለ ቦካሓራም ብገንዘብ ይምውሉ ነይሮም ዝተብሃሉ ሽድሽተ ናይጄርያውያን፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ፡ ጋዜጣ ደይሊ ትረስት ፀብፂቡ።

ቦካሓራም ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ጨውዩ፤ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ብዙሓት ግዝኣታት ተቖፃፃፂሩ እዩ።

እዞም ሽድሽተ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ዝተፈረዱ’ኳ እንተኾኑ፡ ጋዜጣ ደይሊ ትረስት ግና፡ ብመረዳእታ ብምስናይ ዓሙቕ ፀብፃብ ብምቕራብ እዩ ዕላዊ ጌሩዎ።

ኣብ 2015 ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ እዞም ውልቀ ሰባት 782 ሽሕ ዶላር ናብ ሚልሻታት ቦካሓራም ኣብ ምምሕልላፍ ከምዝተሳተፉ፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ብምፅራሕ ደይሊ ትረስት ፀብፂቡ።

ስድርኦም ግና፡ እዞም እሱራት፡ ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ሓዋላ ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩ እዮም ነቲ ጋዜጣ ተዛሪቦም።