ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ዝነበሩ 65 ሓዘንተኛታት ብቦኮሓራም ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ ግዝኣት ቦርኖ፡ ዕጡቓት ቦካሓራም ከምዝኾኑ ብዝእመኑ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 65 ሰባት ተቐቲሎም።
መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብሞተርሳይክልን መኻይንን ተፃዒኖም ዝመፅኡ ዕጡቓት፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ይፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓዘንተኛታት፡ ነዚ መጥቃዕቲ ፈፂሞም።
ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ሰባት፡ ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ሻቡ ንሻቡ ህይወቶም እንክሓልፍ፡ ነዚ ተግባር ንዝፈፀሙ ዕጡቓት ንምሓዝ ዝሰዓቡ ካልኦት ሰባት እውን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።
ኣብቲ ዞባ ብእስላማዊ ዕጡቓት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይውስኹ ኣለዉ።
ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ሙሓመድ ቡላማ፡ እዚ ሕዚ ተፈፂሙ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝተቐተሉ 11 ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ሕነ ንምፍዳይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ጋዜጠኛታት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ሰባት ሬሳ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ክእክቡ ተዓዚቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዝተፈጠሩ ጎንፅታት፡ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝጠፍአ እንክኸውን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም እዮም።
'ምዕራባዊ ትምህርቲ ሓራም እዩ' ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ስያመ ቦካሓራም፡ ሰዓቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝተሓሓዝ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓስ ከይህልዎም ዝኽልክል ቅዋም የሰጉም።
ጉጅለ ቦኮሓራም ካብ ናይጄርያ ሓሊፉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቻድ፣ ኒጀርን ካሜሮንን'ውን ንጡፍ ምንቅስቓስ ነይርዎ።
እዚ ህይወት ኣእላፍ ሰባት ከምዘጥፍአ ዝግለፅ ጉጅለ፡ ስሙ ዝገነነን ቀልቢ መራኸቢ ሓፋሽ ዓለም ዝሰሓበን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣስታት 300 ደቂኣንስትዮ ተምሃሮ ቺቦክ ምጭዋዩ እዩ።
ኣብ 2015 እውን፡ ብ 'ትካል ቁጠባን ሰላምን'፡ ናይ ዓለም እቲ ቀንዲ ቀታሊ ጉጅለ ራዕዲ ( ግብረ ሽበራውያን) ተብሂሉ ተሰሪዑ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







