ምክልኻል ናይጀሪያ 700 ብቦክሓራም ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ኣምሊጦም ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Nigerian Army
ሓይሊ ምክልኻል ናይጀሪያ፡ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ብዕጡቓት ቦኮሓራም ተጨዉዮም ዝጸንሑ 700 ሰባት ካብ ኢድ እቲ ጉጅለ ኣምሊጦም ኢሉ።
ወሃቢ ቃል እቲ ምክልኻል፡ ኮል ቲሞዚ ኣንቲግሃ ኣብ ቻድ ብርክት ዝበሉ ደሴታት ኣቋሪጾም ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ናብ ትርከብ ከተማ ሞንጉኖ ኣትዮም ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ካብ ካልኣይ ወገን ነዚ ሓበሬታ ዝኸዉን መረጋገጺ'ኳ እንተዘይተረኸበ፡ እቶም ዘምለጡ ሰባት በቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተወሰዱ'ዮም።
ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ወፍሪ ቦኮሓራም ክደክም ከምዝገበሮ ድማ ይገልጽ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ቡሃሪ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት፡ ጉጅለ ራዕዲ ቦኮ ሓራም ተስዒሩ'ዩ ኢሎም።
ከም ሓበሬታ ኮል ኣንቲግሃ፡ እዞም ምምላጥ ዝኸኣሉ ሰባት "ሓረስቶት፣ ዘፈፍቲ ዓሳን ስድራ ቦኮ ሓራም ጨዉዩ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝገበሮምን'ዮም"።
ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምጥቃዕ፡ "መሰረተ ልምዓትን ማእኸላት መራኸቢ፣ መፍረዪ፣ ቦንቧ መስርሒ ናዉታት፣ ተሽከርከርትን ካልኦትን" እቲ ጉጅለ ንምዕናዉ ዝተኻየደ ነይሩ" እዉን ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Nigerian Army
እዞም ሕዚ ንብሕቶም ከምልጡ ዝተገበሩ ሰባት ድማ ኣብ ሞንጎኦም ሚሊሻ ዘይምህላዉ ንምንጻር ዕላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ሞንጎ እቶም ዘምለጡ ክልተ ነፍስ ጾር ደቂ ኣንስትዮ እንትነብራ ብሰላም ተገላጊለን'የን።
ንልዕሊ 8 ዓመታት ቦኮ ሓራም ብዝፈጸሞም መጥቃዕታት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ብሞት እንትቐጽዑ፡ 2.6 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ።
ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ናብዚ ድማ እቲ ጉጅለ ዝፍጽሞም ተግባራት ምጥፋእ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ንጹሃት ዜጋታትን ዘነጻጸሩ ኮይኖም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







