ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ዘልሓጥሓጥ ኢሉ ዝወደቐ ክርስትያን ኤሪክሰን ናብ ውኒኡ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ናይ 2020 ውድድር ኩዕሶ ጸወታ ዩሮ ጋንትኡ ዴንማርክ ምስ ፊንላንድ እንዳገጠመት እንከላ ኣብ ሜዳ ዘልሓጥሓጥ ኢሉ ዝወደቐ ናይ ማእኸል ተጻዋታይ ክርስትያን ኤሪክሰን ኣብ ሆስፒታል ምስበጽሐ ናብ ውኒኡ ከምዝተመለሰ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዴንማርክ ኣፍሊጡ።
ወዲ 29 ዓመት ተጻዋታይ ጋንታ ኢነትርሚላን ዝኾነ ኤሪክሰን ጥዕንኡ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከብ ናይቲ ውድድር ኣሰናዳኢ ዝኾነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ኣፍሊጡ’ሎ።
ክርስትያን ኤሪክሰን ኣብ መይዳ ወዲቑ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ኣብ ዝተገበረሉ ግዜ ኣቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝካየድ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንዕረፍቲ ሒደት ደቃይቕ ምስተረፎ ክቋረጽ ግድን ኮይኑ።
እቲ ጸወታ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ቀጺሉ ፊንላንድ 1-0 ስዒራ። እቲ ጸወታ ንምቕጻል ናብ መይዳ ዝተመለሱ ተጻወትቲ ጋንታ ዴንማርክ ካብ መጋጥምቶም ድጋፍ ረኺቦም።
ማሕበር ኩሰሶ እግሪ ኣውሮፓ “ተጻወትቲ ክልቲኤን ጋንታታት ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት እቲ ጸወታ ከም ብሓድሽ ንኽጅመር ከምዝተሰማምዐ” ገሊጹ’ሎ።
ኣባል ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዴንማርክ ፒተር ሞለር፡ “ንኤሪክሰን ረኺብና ኢና። እቶም ተጻወትቲ ምስ ክርስትያን ኤሪክሰን ኣዋጊዖም እዮም። ንሱ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። እቶም ደቂ ጋንትኡ እቲ ጸወታ ንክርስትያን ኢሎም ክጻወትዎ’ዮም” ኢሉ።
ዋና ኣሰልጣኒ ጋንታ ዴንማርክ ካስፐር ሁልማድ ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክነብዕ ተራእዩ። “ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ህይወትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት እንታይ ከምዝኾኑ ዝተረድኣናሉ ኣዝዩ ዘሻቕል ምስዮት’ዩ ነይሩ። ትርጉም ዘለዎም ርክባት’ዮም። ንሳቶም’ውን ንዓና ቀረባ ዝኾኑ ስድራናን መሓዙትናን’ዮም” ኢሉ።
ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ኣሌክሳንደር ሴፌሪን ብግድኡ “ክርስትያን ምሉእ ምሕረት ክገብረሉ እምነ፣ ስድርኡ ድማ ጥክካረ ክህልዎም ጸሎት ክገብር’የ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ “ኣብዚ ግዜ እዚ ሓድነት ቤተሰብ ኩዕሶ እግሪ ዝሓየለ ኮይኑ ክርስትያን ኤሪክሰን ምስ ስድርኡ ድማ ሰናይ ትምኒትን ጸሎትን ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ተቐኒቶም ክነብሩ’ዮም። ኩዕሶ እግሪ ማሕራ እንትህልዎ ክርስትያን ጽቡቕ ጸወታ ክጻወት’ዩ” ይብል።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ዝነበረ ጸወታ ቤልጅየም ምስ ሩስያ ገጢማ 3-0 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ።
ኣብቲ ጸወታ ክልተ ሸቶታት ዘቑጸረ ቤልጅየማዊ ኣጥቃዓይ ሮሜሉ ሉካኩ እታ ናይ መጀመርያ ሸቶ ምስ ኣቑጸረ ናብ ናይ ቴሌቭዥን ካሜራታት ተወቲፉ “ክሪስ እፈትወካ’የ” ክብል ንክርስትያን ዘለዎ ኣኽብሮት ገሊጽሉ።
ሉካኩ ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “በቲ ዝነበረ ጸወታ ሕጉስ’ኳ እንተኾንኩ ኣእምሮይ ምስ ወዲ ጋንታይ ክሪስ ስለዝነበረ ንኽጻወት ከቢዱኒ ነይሩ። ኣዝየ ስለዝሰምበድኩ እየ በኽየ። በዳህቲ ግዝያት ኢና እንነብር። ምስ ስድራይ ካብ ዘሕለፍኩዎ ንላዕሊ ምስኡ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፍና ኢና። ጸሎተይ ምስኡን ምስ ክልተ ደቁን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ፊንላንድን ዴንማርክን ዘካየድኦ ጸወታ ቅድሚ እቲ ጸገም ምፍጣሩ ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ቀሪቡ ከምዝነበረን ዋላ ሓንቲ ሸቶ ከምዘይተቖጸረን ተገሊጹ።
ዳይና ናይ ሕክምና ረድኤት ስለዝሓተተ ክርስትያን ኤሪክሰን ኣብ መይዳ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ተዋሂብዎ’ዩ። እቲ ጸወታ ብሰንኪ ዴንማርካዊ ክርስትያን ኤሪክሰን ዘጋጠሞ ጉድኣት ከምዝተቛረጸን እቲ ተጻዋታይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።
ኤሪክሰን ኣብ 2020 ካብ ጋንታ ስፐርስ ናብ ኢንተርሚላን ብ16.9 ሚልዮን ፓዉንድ ዝተጸምበረ ኮይኑ ጋንትኡ ኢንተርሚላን ድሕሪ 11 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ናይ ጣልያን ጽዋዕ ክትወስድ ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ይግለጽ።
ክርስትያን ኤሪክሰን ንቶትንሃም 7 ዓመታት ዝተጻወተ ኮይኑ ኣብ ዘካየዶም 305 ጸወታታት 69 ሸቶታት ኣቑጺሩ። ቢቢሲ ክርስትያን ኤሪክሰን ሕክምናዊ ረድኤት እንዳረኸበ እንከሎ ዘርእዩ ምስልታት ስለዘሕለፈ ይቕሬታ ሓቲቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







