ንፕረዚደንት ሴኔጋል ዝተዓደገት ሓዳሽ ነፋሪት መጓዓዝያ ንብዙሓት ኣቖጢዓ

ፕረዚደንት ሰኔጋል: ማኪ ሳል ካብ ነፋሪት እናወረደ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንፕረዘደንት ሴኔጋል ማኪ ሳል ዝተዓደገት ሓዳሽ ነፋሪት መጓዓዝያ መንቀሊ ሰፊሕ ክትዕ ከምዝኾነት ተገሊጹ።

ኣባላት ሲቪል ማሕበረሰብን ተቓወምትን ኣብ ዙርያ ዕድጊ ‘ኤይርባስ ኤ320 ኒዮ’ ዓይነት ነፋሪት መጓዓዝያ ተሓታትነት ክህሉ ጠሊቦም፤ እታ ነፋሪት ኣብ 16 ሓምለ ናብታ ሃገር ክትኣትው ትጽቢት ይግበር።

ወሃቢቓል መንግስቲ ዑመር ጉየ እታ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐት ፕረዚደንታዊ ነፋሪት ከምዝኣረገትን ንጽገንኣ ዝወጽእ ወጻእታት ዝለዓለ ምዃኑን ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ብዙሕ ዘይትንቀሳቐስ ብምንባራ ከኣ መንግስቲ ንፕረዚደንታዊ መገሻታት ብኻልኦት ነፈርቲ ቻርተር በረራታት ክግበርን ንወጻኢታት ይግደድን ምህላዉ ኣረዲኡ።

እዚ ከኣ መንግስቲ ዝለዓለ ወጻኢ ንኸውጽእ ይገብሮ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ።

ተቓወምቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዋጋ ዕድጊት እታ ሓዳሽ ነፋሪት ዝምልከት ሓበሬታ ምስጢራዊ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ዛጊት ወግዓዊ’ኳ እንተዘይገበረ፤ ኣብ ቀረባ ከፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ምንቅስቓስ ኒዮ ላንክ ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ሲቪላዊ ማሕበራት፤ እታ ሃገር ከም ቀረብ መግብን ማይን ዝበሉ ቀዳምነታት እናሃለዉዋ፡ ነዚ ኣገዳሲ ዘይኮነ ዕድጊ ምፍጻማ ነቒፎም።